ኡጋንዳ፣ ምምሕያሽ ዕድመ ፕረዚደንት ኣብ ዘካትዓሉ ዘሎ እዋን፣ ፖሊስ ኣንጻሩ ንዝተወደበ ሰለማዊ ሰልፊ ኣጊዱ

ኡጋንዳ፣ ምምሕያሽ ዕድመ ፕረዚደንት ኣብ ዘካትዓሉ ዘሎ እዋን፣ ፖሊስ ኣንጻሩ ንዝተወደበ ሰለማዊ ሰልፊ ኣጊዱ

Radio Erena: 22 September 2017

president uganda

ፖለቲከኛታት ኡጋንዳ፣ ኣብ ቅዋም እታ ሃገር ሰፊሩ ንዘሎ ዕድመ ፕረዚደንት ምምሕያሽ ክግበረሉ ኣብ ዝብል ነጥቢ ይካታዓሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ፖሊስ እታ ሃገር ኣንጻር እቲ መደብ ክካየድ ዝተወጠነ ሰለማዊ ሰልፊ ከይካየድ ኣጊዱ።

እቲ ንሓሙስ 21 መስከረም ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሰለማዊ ሰልፊ ብፖሊስ ዝእገድ ዘሎ፣ ኣባላት ፓርላማ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ሰልፊ ዝኾኑ ፖለቲከኛታት፣ እማመ ምምሕያሽ ዕድመ ፕረዚደንት ናብ ባይቶ ከቕርቡ ምድላዋት ኣብ ዝገብርሉ ዘለዉ እዋን’ዩ።

ብመሰረት ቅዋም እታ ሃገር፣ ፕረዚደንት ናይ ምዃን መሰል ዘለዎ ዜጋ ዕድሚኡ ካብ 35 ክሳብ 75 ዓመት ክኽውን ይሓትት።

73 ዓመት መሊኡ ዘሎ ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ዮዌሪ ሙሰቬኒ፣ ኣብ 2021 ኣብ ዝካየድ ምርጫ እታ ሃገር ወዲ 76 ዓመት ስለዝኸውን ብመሰረት ቅዋም እታ ሃገር ናብ ምርጫ ክቐርብ ኣይፍቀዶን’ዩ።

እንተኾነ እቲ ፕረዚደንት ብዛዕባ ዕድመ ብዝምልከት ኣብ ቅዋም እታ ሃገር ምምሕያሽ ብምግባር፣ ንመበል ሻድሻይ እዋኑ ናብ ውድድር ክቐርብ ከምዝኽእል’ዩ ዝግልጸ ዘሎ።

ካብ 1986 ኣትሒዙ ን31 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሰቬኒ፣ ሓደ ካብቶም ምስሊ ኣፍሪቃ ደዊኖም ዘለዉ 10 ዕሉላት ውልቀ መለኽቲ’ዩ።

ፕረዚደንት ካሜሮን ፖል ቡያ ን42 ዓመታት ኣብ ስልጣን ብምጽንሑ፣ ብደረጃ ዓለምን ኣፍሪቃን እቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ መራሒ ክኸውን እንከሎ፣ ን37 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ወዲ 93 ዓመት ፕረዚደንት ዚምባብዌ ሮበርት ሙጋበ ከኣ እቲ ዝሸምገለ መራሒ’ዩ።

ብዘይዝኾነ ምርጫ ን26 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ውን ኣብ ስልጣን ብዝጸንሖ ንውሓት ግዜ ኣብ መዝገብ10 ዕሉላት ውልቀ መለኽቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ሰፊሩ ይርከብ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ብብዝሒ ኣብ ስልጣን ዝጸንሖ ዓመታት ኣብ ኣፍሪቃ ታሽዓይ ደረጃ ክሕዝ እንከሎ፣ ብደረጃ ዓለም ድማ ኣብ መበል 12 ተሰሪዑ ኣሎ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0