ሶማላውያን ስደተኛታት ካብ የመን ናብ ዓዶም ናይ ምምላስ መስርሕ ተጀሚሩ

ሶማላውያን ስደተኛታት ካብ የመን ናብ ዓዶም ናይ ምምላስ መስርሕ ተጀሚሩ

Radio Erena: 21 September 2017

somali_returneeኣብ የመን ዝርከቡ ሶማላውያን ስደተኛታት ናብ ዓዶም ናይ ምምላስ መስርሕ ከምዝተጀመረ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት – UNHCR ኣፍሊጡ።

ብኵናት ኣብ እትሕመስ ዘላ የመን ልዕሊ 280 ሽሕ ሶማላውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ዝሓበረ እቲ ኮሚሽን፣ እቶም 91 ሚእታዊት ወይ ከኣ ልዕሊ 250 ሽሕ ካብዚኣቶም ናብ ዓዶም ንምምላስ መደብ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ዓዶም ክምለሱ ዝደልዩ ኣስታት 10 ሽሕ ሶማላውያን ይሕግዝ ምህላዉ ዝሓበረ UNHCR፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ን133 ካብኣቶም ብመርከብ ከምዘፋነወ ገሊጹ።

ይኹን’ምበር፣ ካብ ዓደን ናብ ወደብ በርባራ ናይ ሶማል ብመርከብ ዝካየድ ጉዕዞ ካብ 16 ክሳብ 18 ሰዓታት ስለዝወስድ፣ ነቲ ናይ ምምላስ መስርሕ ከደናጉዮ ከምዝኽእል ይጥቀስ።

 ሰበ ስልጣን የመንን ሶማልን ነቲ ናይ ምምላስ መስርሕ ንምቅልጣፍ፣ ዘድሊ ደኩመንታትን መንነት ወረቓቕትን ኣብ ምድላው ስሉጥ ምትሕብባር ክገብርሎም’ውን ወኪል UNHCR እቲ ዞባ ጸዊዑ ኣሎ።

ኣብ የመን መብዛሕቶም ዜጋታት ሶማልን ኢትዮጵያን ዝኾኑ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ስደተኛታት ከምዘለው ጸብጻባት ካብታ ሃገር የመልክት።

ኣብታ ሃገር ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ተቐርቒሮም ዝርከቡ ኣሽሓት ኤርትራውያን’ውን ናብ ዓዶም ክምለሱ ከምዘይክእሉ ብምግላጽ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ፍሉይ ቆላሕታ ክገብረሎም ተደጋጋሚ ጻውዒት ከካይዱ ጸኒሖም’ዮም።

===================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0