ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ልዕሊ 2700 ኤርትራውያን ቆልዑ፣ ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ኢጣልያ ከምዝኣተዉ ተሓቢሩ

Radio Erena: 09 March 2017

Minors in Europe

ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2016፣ ልዕሊ 2700 ኤርትራውያን ቆልዑ፣ ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ኢጣልያ ከምዝኣተዉ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት UNHCR ሓቢሩ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝዘርግሖ ዓመታዊ ጸብጻብ ኣብ ዘቕረቦ ዝርዝራዊ ሓበሬታ፣ ኣብ 2016 ብጠቕላላ 181, 436 ሰባት ባሕሪ ኣቛሪጾም ናብ ኢጣልያ ክኣትዉ እንከለዉ፣ ልዕሊ 25,000 ሽሕ ካብዚኣቶም ብዘይኣላዩ ዝመጹ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ምዃኖም እቲ ሓበሬታ የመልክት።

ኣብ 2016 ብባሕሪ ናብ ኢጣልያ ካብ ዝኣተዉ ልዕሊ 25 ስሕ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፣ እቶም 21 ሚእታዊት ዜጋታት ናይጀርያ ክኾኑ እንከለዉ፣ እቶም 11 ሚእታዊት ማለት 2750 ዜጋታት ኤርትራ ምዃኖም’ዩ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ዝሕብር።

 ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት ኤርትራውያን ኣዴታትን ቆልዑን ዝርከብዎም 5096 ሰባት ብመንገዲ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ኢጣልያ ንምእታው፣ ጥሒሎም ከምዝሞቱ’ውን UNHCR ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ ኣሎ።

============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0