ማሊዥያ፣ ኣብታ ሃገር ምብጻሕ ኣብ ልዕሊ ዝፍጽም ዘሎ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ዝተወጠነ መጥቃዕቲ ከምዘፍሸለት ገሊጻ

Radio Erena: 09 March 2017

King Salman 2

ፖሊስ ማሊዥያ፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ናብታ ሃገር ዑደት ዘካይድ ዘሎ ንጉስ ስዑዲ ዓረብን ቤተሰቡን መጥቃዕቲ ንምክያድ ውጥን ኔርዎም ዝበሎ ኣርባዕተ የመናውያን ከምዝኣሰረ ኣፍሊጡ።

ብዘይካ’ዚውን ሓደ ማሊዥያውያን ሓደ ዜጋ ኢንዶኔዥያን’ውን ብተመሳሳሊ ክሲ ተኣስርዎም ኣለዉ።

እቶም ጥርጡራት ኣብ ዝተታሕዙሉ፣ ናይ ዝተፈላለየ ሃገራት ፖስፖርትን ልዕሊ 100 ሽሕ ዝግመት ናይ ወጻኢ ሃገራት ባጤራን ኣብ ኢዶም ከምዝጸንሐ ኣፈኛ ፖሊስ እታ ሃገር ንማዕከናት ዜና ሓቢሩ።

ይኹን’ምበር መንግስቲ ማሊዥያ፣ እቶም ኣብ ልዕሊ ንጉስ ሳልማንን ቤተሰቡን መጥቃዕቲ ንምክያድ ውጥን ኔርዎም ብምባል ዝሓዞም ሰባት ምስ ኣየናይ ናይ የመን ጉጅለ ምትእስስር ከምዘለዎም ኣየነጸረን።

ኣብ ኢንዶነዥያ ዝቐነየ፣ ንጉስ ሳልማን ናይ ስዑዲ ዓረብ፣ 25 ወረስቲ ዓረት፣ 10 ሚኒስተራትን፣ ዝተፈላለየ ስልጣን ዘለዎም ኣስታት 800 ሰባት መሪሑ’ዩ ብ7 መጋቢት ናብ ማሊዥያ፣ ከተማ ኳላ ሉምፑር ኣምሪሑ።

ማሊዥያ፣ ምስ ጉዳይ’ቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኳላ ሉምፑር ዝተቐትለ ሓዉ ንመራሒ ሰሜን ኮርያ ብዝተሓሓዝ ሓያሎ ሰባት ኣሲራ ከምዘላ ክግለጸ’ዩ ቀንዩ’ዩ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0