ንክልላት ኦሮምያን ሶማልን ኣብ ዘዋስን ዓድታት ናይ ኢትዮጵያ ግጭት ከምዝተኻየደ ተሓቢሩ

Radio Erena: 10 March 2017

Oro Soma

ንክልላት ኦሮምያን ሶማልን ኣብ ዘዋስን ዓድታት ናይ ኢትዮጵያ ግጭት ከምዝተኻየደ፣ ቤት ምኽሪ ክልል ኦሮምያ ሓቢሩ።

እቲ ቤት ምኽሪ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ፣ ካብ ክልል ሶማል ዝተበገሱ ዕጡቓት፣ ናብ ሓሙሽተ ዓድታት ናይ ኦሮሞ ብምእታው፣ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ሓደጋ ከምዘብጽሑ ምርግጋጹ ጋዜጣ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዜናኣ ኣስፊራ።

ብዘይካ’ዚ በቲ ግጭት ሓያሎ ተወላዶ ኦሮሞ ካብ ዓድታቶም ክመዛበሉ እንከለዉ፣ እቶም ዕጡቓት ኣብተን ዝኣተዉወን ዓድታት ኦሮምያ፣ ባንዴራ ናይ ክልል ሶማል እናተኸሉ ከምዝኸዱ ቤት ምክሪ ክልል ኦሮምያ ኣብቲ ዘካየዶ ኣኼባ ኣመልኪቱ።

እንተኾነ፣ ናይቲ በቲ ዝጸንሐ ግጭት፣ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዝወረደ ሓደጋ ብዝርዝር ኣይተገልጸ።

ቤት ምኽሪ ክልል ኦሮምያ ኣብ መወዳእታ፣ እቲ ንኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ እናተደጋገመ ክርአ ዝጸንሐ ግጭት፣ ናብ ካልእ ዝባኣሰ ኩነታት ከየምርሐ እንከሎ ዝለዓለ ኣተኩሮ ክወሃቦ ጸዊዑ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ዝሓለፈ ወርሒ ንጋዜጠኛታት ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተጎሃሃሩ ግጭታት፣ እቲ ዝያዳ ኣተሓሳሳቢ፣ ንክልላት ኦሮሚያን ሶማልን ኣብ ዘዋስን ከባቢታት ዝርአ ዘሎ ግጭት ምዃኑ ምግላጹ ይዝከር።

=======================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0