ኣብ ዓለም ሓደ ካብ 200 ሰባት ስደተኛ እዩ

Radio Erena: Wednesday, 27 December 2023

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝተኻየደ ዓለማዊ መድረኽ ስደተኛታት፣ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ናይ 2023 ዓለማዊ ኣሃዛት ስደት ኣቕሪቡ።

እተን 46 ትሑት ምዕባለ ዘለወን ሃገራት ትሕቲ 1.3% ጥራይ ካብ ጃምላዊ ዘቤታዊ እቶት ወይ GDP ዝውክላ ኮይነን ልዕሊ 20% ካብ ሓፈሻዊ ስደተኛታት ዝነብሩለን ምዃነን ጸብጻብ 2023 ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ማለት UNHCR ይሕብር።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ብደረጃ ዓለም ቁጽሪ ተመዛበልቲ 110 ሚልዮን ከምዝበጽሐን እዚ ድማ ካብቲ ኣብ መወዳእታ 2022 ዝነበረ ብ1.6 ሚልዮን ከምዝዛይድ እቲ ጸብጻብ የመልክት።

ካብ ሰነ ክሳብ መስከረም 2023 ድማ ብኣርባዕተ ሚልዮን ከምዝወሰኸን፣ ክሳብ114 ሚልዮን ከምዝበጽሐን ይግመት።

ካብዚኦም እቶም 87% ካብ ዓሰርተ ሃገራት ዝመጹ ኮይኖም፣ ሶርያ 6.5 ሚልዮን፣ ኣፍጋኒስታን 6.1 ሚልዮን፣ ዩክሬን 5.9 ሚልዮን፣ ቬንዙዌላ 5.6 ሚልዮን፣ ደቡብ ሱዳን 2.2 ሚልዮን፣ ሚያንማር 1.3 ሚልዮን፣ ሱዳን 1 ሚልዮን፣ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ 948.400፣ ሶማልያ 814.600፣ ከምኡ’ውን ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ 750.900 ተመዛበልቲ ተመዝጊቦም።

ካብ 2016 ጀሚሩ ቁጽሪ ስደተኛታት ብዕጽፊ ወሰኽ ከም ዘርኣየ ድማ ተገሊጹ።

ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ጥራይ ሓደ ካብ 400 ሰባት ስደተኛ ዝነበረ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ግን ናብ ሓደ ካብ 200 ከም ዝደየበ ሓላፊ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲ ገሊጹ።

ካብ ግጭትን ዕግርግርን ዝሃድሙ ሰባት 69% ኣብ ጎረባብቲ ሃገራቶምዮም ዝስደዱ” ዝበለ ግራንዲ “እዚ ብመንጽር ቁጠባዊ መለክዒታትን ብዝሒ ህዝብን ክር አ እንከሎ፣ ማእከላይ ክሳብ ትሑት እቶት ዘለወን ሃገራት እየን ንመብዛሕትኦም ማለት75% ተመዛበልቲ ዘአንግንዳ” ክብል ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ 2023 ክሳብ ሰነ ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ ልዕሊ 404 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

ምስቲ ኣብ 2022 ዝነበረ ተመሳሳሊ እዋን ክነጻጸር እንከሎ ልዕሊ ዕጽፊዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0