ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ነበር፣ ህጹጽ ኣኼባ ክካየድ ይጽውዕ

Radio Erena: Wednesday, 27 December 2023

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ነበርን ሓላፊ ምውህሃድ ሲቪላዊ ደሞክራስያዊ ሓይልታት (ታቃዱም)፣ ዓብደላ ሓምዶክ፣ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ዘካይዱ ዘለዉ ጀነራላት፣ ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ደው ንምባል ክዘራረቡ ጸዊዑ።

ሓምዶክ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝለጠፎ መልእኽቲ፣ “ብስም ታቃዱም ናብ ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃንን ኣዛዚ ዕጡቕ ሓይልታት ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ነቲ ንህላወ ሱዳን ኣብ ሓደጋ ዘእተወ፣ ማእለያ ዘይብሉ ህይወት ዝወሰደ፣ ብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ዘመዛበለን ትሕተ ቅርጺ ዘዕነወን ኲናት ንምውጋድ ዝሕግዙ መንገድታት ንምድህሳስ ክልተ ወግዓዊ ደብዳቤታት ብምልኣኽ ህጹጽ ኣኼባ ሓቲተ ኣለኹ” ክብል ገሊጹ።

እቲ ህጹጽ ኣኼባ ዝጠልብ ጻውዒት ምስ ውጥን መደብ ታቃዱም ዝሰማማዕ ኮይኑ፣ ብፖለቲካዊ ዝርርብ ኣቢልካ ፍታሕ ብምንዳይ፣ ተጻብኦታት ደው ንምባል ዝሕግዙ መንገድታት ንምምርማር ዝዓለመ እዩ።

ምስፍሕፋሕ እቲ ግጭት ናብ ዞባ ኣልጃዚራ ሱዳን፣ ንኩነታት ሱዳናውያን ኣጋዲድዎ ብምህላዉ እቲ መጥቃዕቲ ካብ ሓያሎ ኣባላት ሓይልታት ንናጽነትን ለውጥን ሱዳን ተቓውሞ ኣጋጢምዎሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፣ ምስ ወትሃደራዊ ጉጅለ ብምዃን ንሱዳን ካብ ውድቀት ንምሓድን ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት ክዕወት ብዘይምኽኣሉ፣ ስልጣኑ ክሓድግ ከምዝወሰነ ይፍለጥ።

ዓብደላ ሓምዶክ፣ ስልጣኑ ክሓድግ ካብ ዝደፋፍአ ነጥብታት ሓደ’ውን፣ መዓልታዊ እናዓበየ ዝመጽእ ዝነበረ ተቓውሞ ህዝቢን ዝስዕብ ዝነበረ ሞትን መቑሰልትን ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት የረድኡ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0