ሑቲ መጥቃዕትታቱ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ይቕጽል

Radio Erena: Thursday, 28 December 2023

ብኢራን ዝድገፍ ሑቲ ናይ የመን፣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ጸቕጢ ንምግባር ዝዓለመ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን ንወደባዊት ከተማ ኢላት ናይ እስራኤል ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ከም ዝገበረ ሓቢሩ።

ብዘይካዚ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝርከባ ንግዳዊ መራኽብ ዒላማ ብምግባር መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዘካየደ ገሊጹ።

ወሃቢ ቃል እቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ ያህያ ሳሬኣ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ ልዕሊ ኢላትን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ እትርከብ መርከብ ኤምኤስሲ ዩናይትድን ድሕሪ ዝተገብረላ ሰለስተ ጻውዒት ምንጻጋ፣ ሚሳይላት ከምዝወንጨፈ ሓቢሩ።

ኩባንያ መራኽብ MSC Mediterranean ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፣ ሑቲ ካብ ወደብ ንጉስ ዓብደላ ስዑዲ ዓረብ ናብ ካራቺ ፓኪስታን ትጓዓዝ ኣብ ዝነበረት MSC United VIII ዝተባህለት መርከብ ብሰሉስ 26 ታሕሳስ መጥቃዕቲ ከምዘካየደ፣ እንተኾነ ግን ሰራሕተኛታት እታ መርከብ ዝኾነ ሓደጋ ከምዘይወረዶም ኣፍሊጡ።

እቲ ኩባንያ መራኽብ ገምጋም የካይድ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ነቲ ብኣሜሪካ ዝምራሕ ብቀይሕ ባሕሪ ንዝጓዓዛ ንግዳዊ መራኽብ ካብ መጥቃዕቲ ዕጡቓት ሑቲ ንምክልኻል ዝዓለመ ሓድሽ ሓይሊ ዕማም ባሕሪ ጸብጻብ ከምዘቕረበ ኣፍሊጡ።

ስርሒታት ንግዲ ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ (UKMTO) ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ውን፣ እቲ ፍጻመ ካብ ወደብ ሖደይዳ የመን ኣስታት 111 .ሜ ከም ዘጋጠመ ገሊጹ።

ብኻልእ ወገን ሰራዊት ኣመሪካ ብሰሉስ 26 ታሕሳስ ከምዝሓበሮ፣ ሑቲ ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ዝርከባ መራኽብ ዝተኮሶ 12 ድሮናት፣ ሰለስተ ጸረ መራኽብ ባሊስቲክ ሚሳይላትን ክልተ ናይ መሬት ኣጥቃዕቲ ክሩዝ ሚሳይላትን ከምዘውደቐ ገሊጹ።

እዚ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ውሽጢ 10 ሰዓታት ብሑቲ ዝተተኮሰ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዝኾነ ጉድኣት ከምዘየውረደ ተገሊጹ።

ወተሃደራዊ ዕጡቕ ጉጅለ ሑቲ ምስ ፍልስጤም ንምትሕብባር ብኩባንያታት እስራኤል ዝውነና ወይ ዝመሓደራ መራኽብ ዒላማ ከምዝገብር ብተደጋጋሚ ከፈራርሕ ጸኒሑዩ።

ሃገራት፣ ሰራሕተኛታት እዘን መራኽብ ዝኾኑ ዜጋታተን ክስሕባ ውን ኣዘኻኺሩ።

ሑቲ ኣብ ልዕሊ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝንቀሳቐሳ መራኽብ ዝገብሮ ዘሎ መጥቃዕቲ ንናጻ ዋሕዚ ንግድን ባሕረኛታትን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ከምኡ’ውን ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕስ ምኻኑ ዝተፈለላለዩ ፖለቲከኛታት ይገልጹ።

ብሰንኪ ኮቪድ 19ን ካልኦት ቅልውላዋትን ኣብ ሓደጋ ዝጸንሐ ቁጠባ ዓለም፣ ድሮ ዝቕባበ ዋጋ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣጋጢሙ ምስ ምህላዉ፣ ካብ ካናል ሱዌዝ ዝተዘዋወራ መራኽብ፣ ልክዕ ከምቲ ቅድሚ ካናል ሱዌዝ ዝነበረ ንግዲ፣ ንኬፕ ኦፍ ጉድ ሆፕ ክዞራ እንተተገዲደን መሊሱ ከንቆልቁል ምዃኑ ይግመት።

እዚ ነዊሕ ጉዕዞ ወጻኢታት ነዳዲ ይውስኽ፣ ብቕዓት መራኽብ ይቕንስ፣ ዋጋታት ካብ ወጻኢ ዝኣትዉ ኣቑሑት ድማ ክንህር ከም ዝኽእል ዝተፈላለዩ ተንተንቲ ቁጠባ ይገልጹ።

እዚ ድማ ካብ ኤስያ ዝመጽእ እኽልን ካብ ማእከላይ ምብራቕ ዝኣቱ ነዳዲን ዘጠቓልል እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ሑቲ ዘስግኦ ኩባንያ ነዳዲ ቢፒ ፒኤልሲ ናይ ብሪጣንያ ንኹሉ ብቐይሕ ባሕሪ ዝግበር ንግዲ ደው ከምዘብሎ ድሕሪ ምግላጹን ኖርወጃዊ ኩባንያ ጸዓት ኢኲነር ኤኤስኤ ድማ መራኽቡ ካብቲ ዞባ ከምዘርሕቕ ድሕሪ ምሕባሩን ዋጋ ነዳዲ ወሰኸ ከምዘርኣየ ይዝከር።

ቀይሕ ባሕሪ ዓቢ መስመር ዓለማዊ ንግዲ ክኸውን እንከሎ ኣስታት 12% ካብ ዓለማዊ ንግዲ ብቐይሕ ባሕሪን ሱዌዝ ካናልን ይሓልፍ።

ገለ ኩባንያታት ብህንዳዊ ውቅያኖስ ኣቢሉ ንደቡብ ዝጓዓዝ ሓድሽ መስመር ክጥቀማ መደብ ከምዘለወን ውን ይፍለጥ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዙርያ ኬፕ ኦፍ ጉድ ሆፕ ድሕሪኡ ድማ ናብ ምዕራባዊ ገማግም ኣፍሪቃ ዝድይብ ማለት

እዚ ድማ ዝልኣኽ ኣቑሑት ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝወስደሉ ዝነበረ ግዜ ብክልተ ክምጠጥን ወጻኢታት መጓዓዝያ ድማ ብልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዶላር ክድይብ ይኽእል።

ከም ውጽኢቱ በቲ መስመር ዝሓልፍ ዝነበረ ንብረት ናህርታት ከርኢ ምዃኑ ተንተንቲ ቁጠባ ይገልጹ

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0