ኣብ ኵናት ትግራይ ተሸሙሙ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሽዱሽተ ወርሒ ንዘይመልአ ኣማሓዳሪ ናይቲ ክልል ቀይሩ

Radio Erena: 10 May 2021

ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት እናጸንከረ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንግዝያዊ ኣምሓዳሪ ናይቲ ክልል ከምዝቐየሮ ተገሊጹ።

ኣብ 4 ሕዳር 2020 ድሕሪ ዝተወልዐ ኵናት፣ ህወሓት ካብ ከተማታት ስሒቡ ኣብ በረኻታት ድሕሪ ምዕራዱ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብህዝቢ ዝተመርጸ ፕረዚደንት ናይቲ ክልል ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብምትካእ ንዶክተር ነጋ ሙሉ ከም ግዝያዊ ኣምሓዳሪ ከምዝሸሞ ዝዝከር’ዩ።

ዶክተር ሙሉ ነጋ፣ ኣብቲ ዝተመደበሉ ጽፍሒ፣ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ከይመልአ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ብዶክተር ኣብራሃም በላይ ከምዝተተኽአ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትግራይ ጽንኩር ኵናት ኣብ ዘካየደሉ ዘሎ እዋን፣ ንግዝያዊ ኣምሓዳሪ ብህጹጽ ዝቐየረሉ ምኽንያት ኣይተፈልጠን።

ይኹን’ምበር፣ ዶክተር ሙሉ ነጋ፣ ባዕሉ መዝነቱ ክሓድግ ከምዝወሰነ ይስማዕ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0