ኢትዮጵያ፣ እሱራት ብግዴታ ወትሃደራዊ ኣልባሳት ብምኽዳን ከም ምሩዃት ኵናት ንምቕራቦም ይስርሓሉ ከምዘሎ ተቓሊዑ

Radio Erena: 10 May 2021

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብዝተፈላለየ ገበናት ተጠርጢሮም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ዜጋታት እታ ሃገር፣ ብግዴታ ወትሃደራዊ ኣልባሳት ብምኽዳን ከም ምሩዃት ኵናት ንምቕራቦም ይስርሓሉ ከምዘሎ ተቓሊዑ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ ንኩነታት ክልል ኦሮምያ ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ፍሉይ ሓይሊ ናይቲ ክልል፣ ኣብ ትሕቲኡ ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ማእሰርቲ ዘለዉ እሱራት፣ ወትሃደራዊ ክዳን ኣልቢሱ፣ ጠበናጁ ኣዕጢቑን ሰብ ሰርሖ ጸጉሪ ርእሲ ጌሩን ብግዴታ ከምዝሰኣሎም ኣረጋጊጹ።

እቲ ፍሉይ ሓይሊ ነዚ ዝገብር ዘሎ፣ ነቶም እሱራት ‘ኣብ ኵናት ዝተማረኹ ዕጡቓት ኦነግ ሸኔ’ዮም’ ኢሉ ብመንገዲ ሜድያታት መንግስቲ ንምቕራቦም ምዃኑ ይግመት።

እቲ ፍሉይ ሓይሊ ብተወሳኺ፣ ኣብ ክልል ኦሮምያ ንዝርከባ ስድራቤታት፣ ‘ኣባላት ኦነግ ዝኾኑ ደቕኹም ኣበይ ኣለዉ?’ ንሰብ ሓዳር ደቂንስትዮ ድማ፣ ‘ኣባላት ኦነግ ዝኾኑ ሰብኡትክን ኣበይ ኣለዉ?’ እናበሉ፣ ህዝቢ የከላብቱ ምህላዎም ጸብጻብ ናይቲ ብመንግቲ ኢትዮጵያ ዝቖመ፣ ግን ከኣ ናጻ ኣካል ምዃኑ ዝንገረሉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ኣመልኪቱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልላት ኦሮሞያን ኣምሓራን መጥቃዕታቱ ኣሐይሉ ንዝርከብ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፣ ንምድምሳስ ፈደራላዊ ሰራዊትን ፍሉያት ሓይልታት ክልላትን ኣዋፊሩ ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።

እቲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ብኦነግ ሸነ ዝፍለጥ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፣ ከቢድ ክሳራታት ከምዘውረደ ብመንገዲ ኣዘዝቲ ሰራዊቱን ማዕከናት ዜናታቱን የጋውሕ እኳ እንተሎ፣ ኦነግ ግና እቲ ብመንግስቲ ዝቐረብ ዘሎ ዜና ተራ ፕሮፖጋንዳ ምዃኑ ኣብ ዝሃቦ ግብረ መልሲ ኣረዲኡ።

ኣብ ኵናት ትግራይ ተሸሚሙ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብሰራዊት መንግስቲ ኤርትራን ሚሊሻታት ኣምሓራን ተደጊፉ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ውግኣት፣ ብዙሓት ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ከምዝማረኸ’ውን ይገልጽ’ዩ።

እንተኾነ፣ ኣብ ትግራይ’ውን ከም ናይ ክልል ኦሮምያ ተመሳሳሊ፣ ኣብ ከተማታትን ገጠራትንን ንዝኣሰሮም ንጹሃት ተወላዶ ትግራይ፣ ኣብ ሜድያታቱ ከም ምሩዃት ኵናት የቕርቦም ከምዘሎ ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0