ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ንባይቶ እታ ሃገር በቲኑ

Radio Erena: 10 May 2021

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ሳልቫኪር ሚያርዲት፣ ንባይቶ ‘ታ ሃገር በቲኑ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ካብ 9 ግንቦት ኣትሒዙ፣ ነቲ ፓርላማ ዝበተነሉ ምኽንያት፣ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም እታ ሃገር፣ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ፣ ኣፍደገ ንምኽፋት ዝዓለመ’ዩ ተባሂሉ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ፣ 400 ኣባላት ዝሓቖፈ ፓርላማ ድሕሪ ምፍራሱ፣ ካብ ኩሎም ናይቲ ስምምዕ ዝኸተሙ ኣካላት ዝሓቖፈ 550 መናብር ብዝለዎ ሓድሽ ባይቶ ክትካእ’ዩ።

ኣብ 2011 ናጽነታ ዝኣወጀት ደቡብ ሱዳን፣ ካብ ጽባሕ ናጽነታ ኣትሒዙ ኣብ ዝተጎሃሃረ ቀቢላዊን ፖለቲካዊን ጎንጽታት፣ ህይወት ልዕሊ 400 ሽሕ ዜጋታት ኣጥፊኡ’ዩ።

ብፍላይ ኣብ መንጎ ‘ቶም ብፕረዚደንት ሳልቫኪር ዝምርሑ ቀቢላ ዲንካን ንዕጡቕ ተቓዋሚ ሓይሊ ሬክ ማቻር ዝድግፉ ዓሌት ኑዌርን ዝተኻየደ ደማዊ ግጭታት፣ ነታ ሃገር ናብ ኣፈፌት ውድቐት ኣምሪሑዋ ጸኒሑ’ዩ።

ድሕሪ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም፣ ሬክ ማቻር ምክትል ፕረዚደንት ክኸውን እንከሎ፣ ኣብዚ ሓድሽ ዝቐውም ፓርላማ ድማ 25% ናይቲ መናብር ክውንን’ዩ።
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0