ኣብ ከተማ ኡምዱርማን ብዝተኻየደ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ፣ ብውሑዱ 22 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: Sunday, 09 July 2023

ሱዳን ናብ ምሉእ ወተሃደራዊ ዕንወት ከይተምርሕ ኣብ ዝስጋኣሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ከተማ ኡምዱርማን ብዝተኻየደ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ፣ ብውሑዱ 22 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ሱዳን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፣ ብውሑዱ 22 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፣ ዛጊት ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ ሰባት ከኣ ቆሲሎም ምህላዎም ኣፍሊጡ።
ኣብ ከተማ ኡምዱርማን፣ ምልሻታት ሓምዳን ዳግሎ፣ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ድፋዕ ሰሪሖም ዓሪዶም ኣለዉ ዝብሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፣ ንሰላማውያን ሰባት ካብ መንበሪ ኣባይቶም ክወጹ የስገድዱ ምህላዎም ገሊጾም።
ኣቐድም ኣቢሉ፣ ሱዳን፣ ካብ ሩስያ ነፈርቲ ኵናት ክትሽምት ከምእትደሊ፣ ናብ ሩስያ ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካየደ፣ ምክትል ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ማሊክ ኣጋር ምግላጹ ይዝከር።
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፣ ነዚ ኣብ ኡምዱርማን ዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ብምኹናን፣ ሞት እዞም 22 ቆልዑትን ኣዴታትን፣ ንኩሎም መራሕቲ ወተሃደራውያን ሓይልታት፣ ሳዕቤን ዘካዪዱዎ ዘለዉ ትርጉም ኣልቦ ኲናት ከርእዮም ይግባእ ኢሉ።
ጉተረዝ፣ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ንጉዳይ ሱዳን ክፈትሓ ዘካዪዶኦ ዘለዋ ጻዕርታት እውን ሞጒሱ።
ብጉዳይ ሱዳን ብዝምልከት፣ ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ሶማልያን ደቡብ ሱዳንን፣ ንሰኑይ 10 ሓምለ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ርክብ ከካዪዳ ትጽቢት ኣሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0