News Alert! ፖሊስ ጀርመን፣ ምስ ፌስቲቫል ጊሰን ብዝተሓሓዝ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ኣሲሩ

Radio Erena: Friday, 07 July 2023

  • ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ ጀርመን፣ ፌስቲቫል ህግደፍ ኣብ ጊሰን ክካየድ ወሲኑ

ብምምሕዳር ጊሰን ንዝቐረበ ናይ ይግባይ ጥርዓን፣ ሎሚ ዓርቢ 07 ሓምለ ውሳኔ ዝሃበሉ ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ ጀርመን፣ ፌስቲቫል ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ጊሰን ክካየድ ብይን ሂቡ።

ኣቐዲሙ’ውን ቤት ፍርዲ ጊሰን፣ ነቲ ብምምሕዳር እታ ከተማ ዝተወሰን፣ ፌስቲቫል ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ጊሰን ክካየድ ከምዝፈቐደ ይፍለጥ።

ምምሕዳር ከተማ ጊሰን፣ እቲ ፌስቲቫል ከም ናይ ዝሓለፈ ዓመት፣ ናዕቢን ጎነጽን ከየለዓዕል ብምስጋእ’ዩ፣ ብሰንኪ ውሕስነት ጸጥታ ከይካከይድ ሰሪዝዎ ጸኒሑ።

ብቤት ፍርዲ ከተማ ጊሰንን ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ ጀርመንን ፍቓድ ተዋሂብዎ ዘሎ ፌስቲቫል ደገፍቲ ህግደፍ፣ በቲ ዝተመደበሉ ዕለት ማለት ንቀዳም 08ን ሰንበት 09ን ክካየድ’ዩ።

ኣብታ ከተማ ኣብ ጽኑዕ ሓለዋ ተዋፊሩ ዘሎ ፖሊስ ብወገኑ፣ ናዕቢ ከጎሃህሩ ይኽእሉ’ዮም ኢሉ ዝጠርጠሮም ሓሙሽተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ከምዘሎ መርበባት ዜና እታ ሃገር ኣረጋጊጸን።

ሓደ ካብኣቶም ወዲ 47 ዓመት ኮይኑ፣ ብማሕበራዊ ሜድያ ንጎነጽን ናዕብብቢን ክዕድም ዝጸንሐ’ዩ ዝብል ክሲ ተመስሪትሉ ከምዝርከብ’ዩ ተሓቢሩ።

ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ፌስቲቫል ደገፍቲ ህግደፍ ከይካየድ፣ ብስም ‘ብርጌድ ንሓመዱ’ ክንቀሳቐሱ ምጽንሖም ይፍለጥ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0