ኣብ ኤድመንተን ካናዳ፣ ንመጻኢ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ንምክያድ ዝወሃብ ፍቓድ ክኽልከል ከም ዝኽእል ይግለጽ

Radio Erena: Wednesday,31 January 2024

ኣባላት ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ኣብ ኤድመንተን ምስ ፖሊስ እታ ከተማ ተራኺቦም፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ዝሓለፈ ዓመት ዘጋጠመ ግጭት፡ ኣብ መጻኢ ዝህልዉ ፍጻመታት ናይቲ ኮሚኒቲ ብኸመይ ከም ዝተሓዙ ተዘራሪቦም።

ኣብቲ ብሰኑይ 29 ጥሪ ዝተኻየደ ኣኼባ ምምሕዳር ኤድመንተን ፖሊስ እታ ከተማ፣ካብ ማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣብ ኤድመንተን ከምኡ ውን ኣብቲ ዛዕባ ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም ዝበሎም ውድባትን ዓዲሙ ከምዘዘራረቦም ኤድመንተን ጆርናል ገሊጻ።

ኣቦ መንበር ማሕበረሰብን ውድባትን ኤርትራውያን ኣብ ካናዳ ዞባ ኤድመንተን ላምብሮስ ኪርያካኮስ፣ ኣብ ዝመጽእ ኣብ ዝግበር ፈስቲቫላት ኤርትራውያን ፍቓድ ክወሃቦም ድዩ ኣይወሃቦምን ሓድሽ ሓበሬታ የለን ክብል ገሊጹ።

ንሱ ብተወሳኺ እቲ ዝተገብረ ዝርርብ ጽቡቕ እካ እንተኾነ ነቲ ቀንዲ ጉዳይ ንምፍታሕ ብፖሊስ እኹል መርመራን መጽናዕትን ስለ ዘይተወስደ ምትእምማን ከምዘይፈጥር ኣብሪሁ።

ኣብ ካናዳ፣ ኤድመንተን፣ ፌስቲቫል ህግደፍ ደው ንምባል፣ ብምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ ብውሕዱ 11 ሰባት ከምዝቖሰሉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ንጸብጻብ ፖሊስ ምጥቃሰን ይዝከር።

እቲ ብ ‘ወፍሪ መለይ’ ዝተሰምየ፣ ፌስቲቫል ህግደፍ ኣብ ኤድመንተን ደው ናይ ምባል ምንቅስቓስ፣ ኣቐዲሙ ጽልዋ ስለዝፈጠረን ሰፊሕ ሸፈነ ማዕከናት ዜና ስለዝረኸበን፣ ጎነጽ ከይልዓል ኣባላት ዋላካ ፖሊስን ሓይልታት ጸጥታን ኣብቲ ከባቢ ተዋፊሮም እንተነበሩ፣ ኣብቲ ብ19 ነሓሰ 2023 ዝተኻየደ ፌስቲቫል፣ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝካይደሉ ዝነበረ ኣገባብ ብዝተፈልየ፣ ብኣባትር፣ ጠራሙዝን ካልእ ነገራትን ብዝተሰነየ ባእስን ዕግርግርን ምክያዱ መደበር ቴሌቪዥን ኤድመንተን ገሊጻ ኔራ።

ከም ውጽኢቱ ድማ ፖሊስን ምምሕዳር ከተማ ኤድመንተንን ንኸምዚ ዝበለ ምትእኽኻብ ኤርትራውያን ዝወሃብ ፍቓድ ከምዝሰረዞ ይፍለጥ።

ብስም ‘ብርጌድ ንሓመዱ’ ዝንቀሳቐሱ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ኣብ ጀርመን፣ ዓዲ እንግሊዝ፣ ሽወደን፣ ካናዳን ኣመሪካን ንዝተወደበ ፌስቲቫላት ህግደፍ ደው ንምባሉ ወይ ንምስንኻሉ ዘካየድዎ ስርሒታት፣ ብማዕከናት ዜና ዓለም ሰፊሕ ሸፈነ’ዩ ተዋሂብዎ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0