ኣብ ኤርትራ ካብ ዝውለዱ ኣስታት 1000 ዕሸላት፣ እቶም 27 ሞት ከምዘጋጥሞም ተገሊጹ

Radio Erena: Thursday, 09 November 2023

ኣብ ኤርትራ ካብ ዝውለዱ ኣስታት 1000 ዕሸላት፣ እቶም 27 ሞት ከምዘጋጥሞም ተገሊጹ።

በዚ ኣሃዚ’ዚ ድማ መጠነ ሞት ዕሸላት ኣብ እዋን ሕርሲ ኣብ ኤርትራ ፣ ቅድሚኡ ካብ ዝነበረ ውህሉል ዓመታት ናብ 2.7% ከምዝወረደ’ዩ ተሓቢሩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ኩነታት መጠነ ሞት ኣዴታትን ዕሸላትን ኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ እቲ ብዝሒ ካብ ዓመት ንዓመት ይጎድል ከምዘሎ’ዩ ዘመልክት።

ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ቀስ ብቅስ ይጎድል ከምዘሎ ዝግለጽ መጠን ሞት ዕሸላት ኣብ ግዜ ሕርሲ፣ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ክንጸጻር ብኣስታት 5%’ዩ ቀኒሱ።

ኣብ ኤርትራ፣ መጠነ ሞት ኣዴታትን ዕሸላትን ክጎድል ዝረአ ዘሎ፣ ሚኒስትሪ ጥዕና ምስ ኣህጉራውያን መሻርኽቲ ብዝገብርዎ ጻዕሪ’ዩ።

ከም መቐጸልታ ናይዚ፣ ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ኣብ እዋን ሕርሲ፣ ኣብ ሓደጋ ንዝርከቡ ዕሸላት ንምድሓኖም ክግበር ንዝኽእል ጽዑቕ ክንክን ብምትኳር፣ ካብ 9 ክሳብ 14 ጥቅምቲ፣ ኣብ ኣስመራ፣ ናይ ሰልጠንቲ ስልጠና ኣካይዱ’ዩ።

ኣብቲ ኣብ ሆስፒታላት ኦሮቶን ዕዳጋ ሓሙስን፣ ብኤርትራውያንን ውጻእተኛታትን ክኢላታት ከምዝተኻየደ ዝተገልጸ ስልጠና፣ ኣብ ማእከላት መወልዳን ዝሰርሑ ኣስታት 10 መንእሰያት’ዮም ተሳቲፎም።

ኤርትራ ምስ ኣህጉራውያን መሻርኽትን መወልትን ብምዃን፣ ንሸቶታት ሚልዮንዮም ኣብ 2030 ንምህራም ሰሪዓቶ ካብ ዘላ መደባት ሓደ፣ ምጉዳል መጠን ሞት ኣዴታትን ዕሸላትን ኣብ እዋን ሕርሲን ምስ ወሊድ ዝተኣሳሰር ሞትን ምዃኑ ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም ይጠቅስ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
================

COMMENTS

WORDPRESS: 0