ኡጋንዳ፣ ብጉዳይ ሓደ ዓይነት ጾታ ዘለዎም መጻምድቲ፣ ካብ ኣመሪካ እገዳታት ስዒቡዋ

Radio Erena:Thursday, 09 November 2023

ኡጋንዳ፣ ሓደ ዓይነት ጾታ ኣብ ልዕሊ ዘለዎም መጻምድቲ፣ ናይ ሕልፈት ማእሰርትን ሞትን ዝርከቦ መቕጻዕታት ምውሳና፣ ኣመሪካ፣ ትሕቱ ኣታዊ ንዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ቀረጽ ናጻ ዝኾነ ንግዲ ከካይዳ ካብ ዝፈቐድ ውዕል ኣገዋ ሰሪዛታ።

ፕረዚደንት ባይደን ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘሕለፎ ትእዛዝ፣ ኡጋንዳ እትርከበን ሰለስተ ሃገራት ካብቲ ናጻ ናይ ንግዲ ውዕል ክእለያ ዝወሰነሉ ምኽንያት፣ ሰብኣዊ መሰላትን ደሞክራስያዊ ምምሕዳርን ከምዝጎደለን ብምውቃስ’ዩ።

ብፍላይ ኡጋንዳ፣ ካብ ውዕል ኣጎዋ ክትስረዝ ዝተወሰነሉ ምኽንያት፣ ኣብ ወርሒ መጋቢት ብፓርላማ እታ ሃገር ንዝቐረበ እማመ ናይ ሕልፈት ማእሰርቲን ሞትን መቕጻዕታት ኣብ ልዕሊ ሓደ ዓይነት ጾታ ዘለዎም መጻምድቲ፣ ብፕረዚደንት ሙሰቬኒ ደገፍ ረኺብ ኣብ ግብሪ ድሕሪ ምውዓሉ’ዩ።

ንውሳኔታት ኡጋንዳ ክትቓወም ዝጸንሐት ኣመሪካ፣ በይናዊ እገዳ ኣተግቢራ ጥራይ ዘይኮነት፣ ከም ባንክ ዓለም ንዝኣመሰላ ኣህጉራውያን ፊናንስውያን ትካላት’ውን ብምጽላው ኣብ ልዕሊ እታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ቁተባዊ ጸቕጢ ንምፍጣር ትሰርሕ ምህላዋ ይግለጽ።

ኣቐዲሙ ባንክ ዓለም፣ ብተመሳሳሊ ምኽንያት፣ ንኡጋንዳ ዝህቦ ዝነበረ ምወላ ደው ከብሎ ወሲኑ’ዩ።

ነዚ 389 ኣባላት ፓርላማ ኡጋንዳ፣ ምስ ባህል፣ እምነትን ስርዓትን ሕጊን ኣነባብራ ወዲ ሰብ ዝጻረር ከቢድ ገበን’ዩ ዝበልዎ ምጽማድ ሓደ ዓይነት ጾታ፣ ኣመሪካን ካልኦት ኣካላት ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለምን፣ ብወገን ከቢድ ምጥሓስ መሰል ደቂ ሰብ እናበላ’የን ዝቓወምኦ ዘለዋ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0