ንጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኢያሱ፣ ብሞት ዘፈራርሐ ደጋፊ ህግደፍ፣ ን22 ኣዋርሕ ክእሰር ተፈሪዱ

Radio Erena: Wednesday, 08 November 2023

ንጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኢያሱ፣ ብሞት ዘፈራርሐ ደጋፊ ህግደፍ፣ ን22 ኣዋርሕ ክእሰር ተፈሪዱ

ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛ፣ ኣማኑኤል ኢያሱ፣ ናይ ሞት ምፍርራሕ ዘካየደ፣ ያቆብ ገብረመድህን ዝተባህለ ዕሉል ደጋፊ ህግደፍ፣ ኣብ ብሪጣንያ፣ ን22 ኣዋርሕ ክእሰር ከምዝተፈርደ ተሓቢሩ።

ጋዜጠኛ ኣሰና፣ ኣማኑኤል ኢያሱ፣ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ዕሉል ደጋፊ ህግደፍ፣ ካብ ብሪጣንያ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝገሸሉ፣ ቴልፎን ብምድዋል፣ ክቐትለካ’የ ዝብል መልእኽቲ ከምዝገደፈሉ’ዩ ሓቢሩ።

ያቆብ፣ ኣብ 2019’ውን ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል፣ ብጉጅለ መጥቃዕቲ ብምክያድ ተኸሲሱ፣ ናብ ኣማኑኤል ከይቐረብ ብቤት ፍርዲ ጽኑዕ ትእዛዝ ተዋሂብዎ ምንባሩ ይዝከር።

ይኹን’ምበር እቲ ደጋፊ ህግደፍ፣ ነዚ ብምጥሓሱን፣ ክቐትለካ’የ ዝብል ናይ ሞት ምፍርራሕ ብምክያዱን ተኸሲሱ፣ ንኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ማእሰርቲ’ዩ ጸኒሑ።

ንሱ፣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት፣ ካብ ኤርትራ ናብ ብሪጣንያ ኣብ ዝተመልሰሉ እዋን፣ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ብፖሊስ ተታሒዙ’ዩ ናብ ማእሰርቲ ተወሲዱ።

ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብ ቤት ፍርዲ እናተመላለሰ ጉዳዩ ክከታተል ድሕሪ ምጽናሕ ድማ፣ ብ07 ሕዳር 2023፣ ን22 ኣዋርሕ ክእሰር ዳኛ ብይን ሂቡ።

ዕሉል ደጋፊ ህግደፍ ኣብ ብሪጣንያ ምዃኑ ዝግለጽ ያቆብ፣ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ኣፍሪቃዊ፣ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ነበር፣ ማርቲን ፕላውት’ውን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ብምፍጻሙ ተኸሲሱ ምንባሩ ይዝከር።

ብተደጋጋሚ ገበናት ዝተኸሰሰ ያቆብ፣ ብደሞክራሲ ኣብ እትመሓድር ዓባይ ብሪጣንያ፣ ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል ደቂ ሰብ፣ ብጎነጽን ምፍርራሕን ክዓብስ ብምፍታኑ’ውን ካልእ ነቲ ዝተኸሰሰሉ ገበን ዘራጉድ ምዃኑ’ዩ ተመልኪቱ።
=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0