ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ዝጸንሑ 54 የመናውያን ናብ ዓዶም ተፋንዮም

Radio Erena: Tuesday, 28 November 2023

መንግስቲ ኤርትራ ቀይድም ዝጸንሐ 54 የመናውያን ገፍፍቲ ዓሳ ናብ ዓዶም ከምዝተፋነዉ ኣራብ ኒውስ ሓቢሩ።

እቶም ንኣስታት ሓደ ዓመት ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ኣብ ክልተ ጉጅለታት ተመቓቒሎም ‘ዮም ናብ ዓዶም ተፋንዮም።

እቶም29 ዝሓለፈ ሰሙን ብወደብ ሖዴዳ ናብ የመን ክምለሱ እንከለዉ፣ እቶም ዝተረፉ ድማ ብሰንበት ‘ዮም ብገማግም ባሕሪ ሞካ ስዒቦሞም።

ብዘይካ’ዚ ኣብ ከባቢ ዓሰብ ንኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ተኣሲሮም ንዘለዉ 39 የመናውያን ናብ ዓዶም ንምምላስ’ውን ሓንቲ ጃልባ ተላኢኻ ከምዘላ እቲ መርበብ ዜና፣ ንምንጭታት የመን ብምጥቃስ ኣፍሊጡ።

እቶም የመናውያን፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዓሳ እናገፈፉ ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ተታሒዞም’ዮም ኣብ ኤርትራ ተቐይዶም።

ጀላብኦምን ናውቶም መግፈፊ ዓሳን ከምዝተሃገሩ ድማ’ዮም ዝገልጹ።

ኤርትራን የመንን፣ ዘሰሓሕበን ዋንነት ደሴታት ዝቑር ሓኒሽን ክሊ ማይን ኣብ 1998 ብኣህጉራዊ ዳንነት መፍትሒ እኳ እንተረኸበ፣ ጉዳይ ባህላውያን ገፈፍቲ ዓሳን ክግፍሉ ዝግባእ ክሊ ማይን ግና ዛጊት ኣኻራኻሪ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ብሰንኪ’ዚ ድማ’ዩ ኤርትራ፣ ነቶም የመናውያን ገፈፍት ክኣትውዎ ኣብ ዘይፍቀድ ክሊ ማይ ኤርትራ እናጀለቡ ዓሳ ክገፉ ጸኒሖም ብዝብል ብተደጋጋሚ ትቕይዶም ዘላ።

መንግስቲ የመን ብወገኑ፣ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ትፍጽሞ ዘላ ተደጋጋሚ ምእሳርን ምህጋር ንብረቶም ግብረ መልሲ ክህበሉ ምዃኑ’ዩ ዘጠንቅቕ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ብዛዕባ’ቲ ብተደጋጋሚ ዝግለጽ ምትሓዝ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ብዝምልከት ዝኾነ መግለጺ ኣይህብን’ዩ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0