እስራኤል፡ ኣብ እዋን መጥቃዕቲ ሓማስ ንሓደ መኮንና ንዘድሓነ ኤርትራዊ ናይ ክብሪ ሽልማትን መንበሪ ፍቓድን ሂባ

Radio Erena: Tuesday, 28 November 2023

መንግስቲ እስራኤል፡ ኣብቲ፡ ብ07 ጥቅምቲ፡ ሓማስ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ተወጊኡ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ንዝጸንሖ እስራኤላዊ ኮለነል ንዘድሓነ ኤርትራዊ ንጅግና ዝግባእ ናይ ክብሪ ሽልማትን መንበሪ ፍቓድን ሂቡ።

ዮርሳሌም ፖስት ብዘቕረበቶ ጸብጸብ መሰረት፡ እቲ ሙሉጌታ ጸጋይ ዝተባህለ ኤርትራዊ፡ ነቲ ብናይ ኮድ ስሙ ኮለኔል ዋይ ዝጽዋዕ ኣዛዚ፡ ኣብ መንገዲ ክስሓግ ምስረኣዮ፡ ካብ ታክሲ ወሪዱ ቀዳማይ ረዲኤት ብምሃብ፡ ካልእ ሓገዝ ክሳብ ዝረክብ ምስኡ ጸኒሑ።

ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ዝነበረ እስራኤላዊ ኮለነል፡ ኤርትራ ስደተኛ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ብምእታው ብዝገበረሉ ረዲኤት ብህይወት ክድሕን ድሕሪ ምኽኣሉ’ዩ ንሱ’ውን ብጊድኡ ብዝገበሮ ጻዕሪ፡ ሙሉጌታ ጸጋይ ናይ ጅግና ክብሪ ክረክብን መንበሪ ፍቓድ ክወሃቦን ክኢሉ ዘሎ።

ሚኒስትሪ ውጽጣዊ ጉዳያት እስራኤል’ውን ነቲ ብኣዛዚ ሰራዊ ዝኾነ ዜጋኡ ንዝተዋህቦ ሓበሬታ ኣብ ግምት ብምታውን ነቲ ኩነታት ብምምርማርን፡ ንሙሉጌታ ብሰንበት 26 ሕዳር፡ ብወግዒ ናይ ጅግና ክብርን መንበሪ ፍቓድን ሂብዎ።

እስራኤል፡ ን10ታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ፡ ጉዳዮም ብምጉታት፡ ዳርጋ ንብምሉኦም ክትነጽጎም እንከላ፡ ናብ ርዋንዳን ካልኦት ሃገርትን ንምስግጋሮም ትሰርሕያ።
==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0