ጀነራል ዓብደለፈታሕ ኣልቡርሃን ናይ ካልኣይ ዙር ዑደት ጎረባብቲ ሃገራት የካይድ ኣሎ

Radio Erena: Tuesday, 28 November 2023

ፕረዚደንት ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፡ ጀነራል ዓብደለፈታሕ ኣልቡርሃን ናይ ካልኣይ ዙር ዑደት ጎረባብቲ ሃገራት የካይድ ኣሎ።

እቲ ጀነራል፡ ኣብቲ ዛጊት ናብ ኤርትራን ጂቡቲን ኣካይድዎ ዘሎ ዑደት ምስ ፕረዚደንታት ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን እስማዒል ዑመር ገለን ብምርኻብ፡ ኣብ ህሉው ምዕባለታት ሱዳንን እተን ሃገራት ክወስዶ ዘለወን ተበግሶታትን ብዝምልከት ተመያይጡ።

ብፍላይ ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ፡ ንዝቐጽል ሓደ ዓመት፡ ስልጣን ኣቦመንበር ኢጋድ ክርከብ ምስ ምዃኑ፡ እቲ ዞባዊ ውድብ አብ ጉዳይ ሱዳን ጽኑዕ መርገጺታት ክሕዝን ፖለቲካዊ መፍትሒ ኣብ ምንዳይ ዘለዎ ሓሳባት ከቕርብን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ከምዝተዛተዩ ምንጭታት ዲፕሎማሲ ኣንፊቶም።

ኲናት ክልተ ወትሃደራውያን ሓይላት ሱዳን አብ 15 ሚያዝያ ካብ ዝጅምር፡ ፕረዚደንት ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ሰራዊት መንግስቲን፡ ጀነራል ኣልቡርሃን፡ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዑደት ከካይድ እዚ ንኻልኣይ እዋኑዩ።

ካብ ካርቱም ናብ ፖርት ሱዳን ግዒዙ ዝርከብ እቲ ጀነራል፡ ሓይልታቱ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ብዝምርሑ ፈጣን ሓይልታት፡ ኣብ ካርቱምን ዞባ ዳርፉርን ካብ ዝነበረ ሰፊሕ ከባቢታት ተዲፊኦም ከምዝወጹ ክግለጽ ቀንዩ’ዩ።

ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ‘ውን ሰሙናት ኣቚጺሩ፡ ዛጊት ዝኾነ ፍረ ክርከቦ ኣይከኣለን።

==================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0