ኣብ ኤርትራ ተቐዪዶም ዝጸንሑ ሰለስተ ቱርካውያን ሃንደስቲ ባሕሪ፣ ናጻ ወጺኦም

Radio Erena: 21 June 2020

ኣብ ኤርትራ ተቐዪዶም ዝጸንሑ ሰለስተ ቱርካውያን ሃንደስቲ ባሕሪ፣ ናጻ ወጺኦም ክብል ማዕከን ሓበሬታ ኣናዶሉ ገሊጹ።
እቲ ኣገልግሎት ዜና ኣብ ናይ 20 ሰነ ሕታሙ ኣብ ዘስፈሮ ሓበሬታ፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ከካዪዶ ብዝጸንሐ ጻዕርታት፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስምምዕ ድሕሪ ምብጽሑ፣ እቶም ዜጋታቱ ናጻ ክወጹ ከምዝኸኣሉ ኣፍሊጡ።

ኣቐዲሙ ብዝወጸ ሓበሬታ መሰረት፣ እቶም ሰለስተ ሃንደስቲ ባሕሪ ኣብ መስከረም 2017 እዮም ዓለም ንሙዛር ተበጊሶም። ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ መትረብ ስወጽ ድሕሪ ምዕጻዉ ግና ናብ ቀይሕ ባሕሪ ክምለሱ ብምግዳዶም እዮም ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ተታሒዞም።

በዓልቲ ቤቱ ንሓደ ካብቶም ባሕረኛታት፣ ብቴሌፎን ከምዝረኸበቶን፣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ከኣ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝወረዶም ዝኾነ ጉድኣት ከምዘየለ ምሕባራ፣ ኣገልግሎት ዜና ኣናዶሉ የመልክት።

እቶም ሰለስተ ቱርካውያን ሃንደስቲ ባሕሪ፣ ኣብዚ ሳልስቲ ናብ ጂቡቲ ክበጽሑ ትጽቢት ይግበረሎም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0