መንግስቲ ኤርትራ መህነጺ ጽርጊያ ዝዓለመ ካብ ሕ.ኤ. ዝሓተቶ ፋይናንስያዊ ሓገዝ ተነጺጉ

Radio Erena: 21 June 2020

eu pመንግስቲ ኤርትራ መህነጺን መጸገኒን ጽርጊያ ዝዓለመ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝሓተቶ ፋይናንስያዊ ሓገዝ፣ እቲ ሕብረት ነጺጉዎ።

ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ጉዳያት ወጻኢ ፖሊሲ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ፣ ኮሚቴ ፓርላማ ኤውሮጳ ነዚ ጉዳይ ብዕለት 15 ሰነ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ድሕሪ ምምይያጥ፣ ‘ንጽገናን መህነጺን ጽርጊያ’ ዝውዕል ንመንግስቲ ኤርትራ ዝልገስ ሓገዝ ከምዘየለ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኤርትራ ናይ 50 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ እዩ ሓቲቱ። ሕብረት ኤውሮጳ ነዚ ሕቶ ደኣ ይንጸጎ እምበር፣ እቲ ኣቐዲሙ ንወደባት ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ንከራኽብ ዝህነጽ መስመር ጽርጊያ ምወላኡ ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ ንኤርትራ ተመዲቡ ካብ ዝነበረ ሓገዝ፣ 30 ሚልዮን ዩሮ ንሱዳን ክወሃብ ምዃኑ ኣቐዲሙ ተገሊጹ እዩ።

ሓያሎ ኣባላት ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ፣ መንግስቲ ኤርትራ ዝሓዞ ልምዓታዊ መደባት፣ ብግዱድ ጉልበት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት የካዪዶ ስለዘሎ፣ ሓገዝ ምሃቡ ብቐጥታ ኣብ ዘበናዊ ባርነት ሓገዝ ምግባር ማለት’ዩ ክብሉ መጎተኦም ከቕርቡ ጸኒሖም እዮም።

ኮሚቴ ንምዕባለ ፓርላማ ኤውሮጳ (DEVCO) ኣብቲ ናይ 15 ሰነ ኣኼብኡ፣ ብወለንታኦም ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ኤርትራውያን መጣየሲ ብምባል ዝሰለዖ ባጀት ሕጂ’ውን ሓያሎ ኣባላት’ቲ ሕብረት ይቃወምዎ ኣለዉ።

ናብ ኤርትራ ክምለሱ ዝኽእሉ ዜጋታት፣ እቶም ንመንግስቲ ኤርትራ ክድግፉ ዝጸንሑ ደኣምበር፣ ተቓውሞታቶም ብዓውታ ከስምዑ ዝጸንሑ ናብ ኤርትራ እንተተመሊሶም እንታይ ከጋጥሞም ከምዝኽእል ኩሎም ኣባላት’ቲ ፓርላማ እንዳፈለጥዎ እንከለዉ ነዚ ዓይነት ውሳኔ ክወስዱ ዘብቀዖም ምኽንያት ንጹር ከምዘይኮነ እዮም ዝገልጹ።

መንግስቲ ኤርትራ ብወግዒ ፋይናንስያዊ ሓገዝ ክሓትት ምጅማሩ፣ ከምኡ’ውን ምስ ሰበስልጣን’ቲ ስርዓት ኣብ ዝካየዱ ኣኼባታት፣ ደሞክራሲ፣ ሰብኣዊ መሰላት፣ ወዘተ… ዝብሉ ከም ነውሪ ዝረኣዩ ዝነበሩ ጉዳያት ኣብዚ እዋን’ዚ ክለዓሉ ምኽኣሎም፣ ኣብቲ ስርዓት ዝተራእየ ለውጥታት ዘመላኽቱ እኳ እንተኾኑ፣ ግብራዊ ስጉምቲ ክሳብ ዝወስድ ግና ብዙሕ ተሪፉዎ ከምዘሎ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ካብ ብራስለስ ይገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    መሪሕ 4 years ago

    ጽቡቕ ገበሩ ይብል ኣነ ብወገነይ፡ እዚ ስርዓት ዘይብሉ መንግስቲ ኣይኮነንን።