ኤርትራ፣ ንሓደ ኪሎ ስርናይ 4 ዶላር፣ ንሓንቲ ሊትሮ ዘይቲ ኣስታት 8 ዶላር ይሽየጥ ኣሎ

Radio Erena: 19 June 2020

ኤርትራ፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝጸንሐ ከቢድ ናይ መነባብሮ ጸገማት፣ ምስ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ተተሓሒዙ፣ ከም ዘይትን ሽኮርን ዝኣመሰለ መሰረታዊ መግብታት ንምርካብ ተጸጊሙ ከምዘሎ ነበርቲ ከተማ ኣስመራ መረርኦም ይገልጹ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ “እቲ ኣብ ዱኳን ሕድሪ ብቐሊሉ ዝርከብ ዝነበረ ማሸላ ‘ኳ ንጋዳ ኮይኑ ኣሎ” ዝበሉ ነበርቲ ከተማ ኣስመራ፣ ኣብ ናይ ብሕቲ ኣብያተ ሸቐጥ፣ ሰለስተ ሊትሮ ንእትሕዝ ሓንቲ ጃሎን ዘይቲ ክሳብ 400 ናቕፋ ትሽየጥ ምህላዋ ጠቒሶም።

እዚ’ውን እንተተረኺቡ ምዃኑ መሊኦም።

“ኣብ ዕዳጋታት፣ ኣእካል ተማርጸሉ የለን። እንተሃልዩ ስርናይ ንኪሎ 60 ናቕፍ፣ በርበረ ንኪሎ ካብ 180 ክሳብ 200 ናቕፍ’ዩ  ዝሽየጥ ዘሎ” ዝበሉ እቶም ነበርቲ፣ ማሸላን ስርናይን እንተተረኺቡ’ውን ንመጥሓኒኡ፣ ካብ ምምሕዳር ፍቓድ ምውጻእ ጀሚርካ ክሳብ እንዳጠሓኒት ዘሎ ገልታዕታዕ ኣኺሉ ከምዝተረፎም ኣረዲኦም።

ህብዚ ከቢድ መነባብሮ የሕልፍ ከምዘሎ ብምምልካት፣ “እተን ዘለዋኻ ምስ ጎረባብትኻ፣ ናይ ቀረባ ኣዝማድካን ቤተሰብን ተማቒልካ’ዩ ዝሕለፍ ዘሎ” ብምባል ንዘሎ ህሉው ኩነታት ገሊጾም።።

ነበርቲ ናይተን ካብ ኣስመራ ወጻኢ ዝርከባ ከተማታት’ውን፣ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ናብራ ካብ ናይ ኣስመራ እንተዘይብኢሱ ዝሓይሽ ከምዘይኮነ ዝተፈላለየ ኣብነታት ዘርዚሮም።

መንግስቲ፣ ብጉልባብ መኸተ ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ናይ ወርሓ ደሞዝ ሰራሕተኛታ መንግስቲን ኣባላት ሰራዊትን፣ ብግዴታ ምቑራጹ፣ ነቲ ዘሎ ማሕበራዊ ሕሰም ዘጋድድ ምዃኑ’ዩ ተቓሊሑ።

እቲ መንግስቲ፣ ምስ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ተተሓሒዙ፣ ተዓጽዩ ዝጸንሐ ንኣሽቱ ኣብያተ ሸቐጣ ንምፍዃሱ ጀሚሩ እኳ እንተሎ፣ ድሕሪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ብዛዕባ ዝህሉ ቁጠባዊ ሕውየት ዝምልከት ዝኾነ መደባት ኣየውጽአን።

ኣብዚ ናይ ለበዳ ኮረና ቫይረስ እዋን፣ መንግስቲ፣ ንመጠን ናይ ወጻኢ ሸርፊ ከምዝተቖጻጸሮ ዝጋዋሕ ፕሮፖጋንዳታት ኣሎ። እንተሎ፣ ሸርፊ ብመንጽር ህልዉ ዕዳጋ ክርአ እንከሎ ፣ መነባብሮ ህዝቢ ማዕረ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ንምግማቱ ኣየጸግምን።

ኣብ ናይ ህግደፍ ትካል ሸርፍን ሓዋላን ሂምቦል ዝካየድ ዘሎ ልውውጥ፣ ንሓደ ዶላር 15 ናቕፋ’ዩ ዝሽረፍ።

ብመንጽር’ዚ ኣብ ኤርትራ፣ ንሓደ ኪሎ ዘይተጣሕነ ስርናይ 4 ዶላር ይሽየጥ ኣሎ ማለት’ዩ። ዘይቲ ድማ ሓንቲ ጃሎን ኣስታት 26 ዶላር ይሽየጥ።

ስእኪ፣ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Yonas 4 years ago

    Selam kemey weilkum ab ertra bbahri zgber ngdawi mnkskas alo du abzi ewan