ኣብ ኤርትራ ሓድሽ መሸጣ ብርኪ ብጥርጣረ ይረአ

ህግደፍ ብሒትዎ ዝጸንሐ ትካላት ፣ ናብ ኤርትራውያን ብብርኪ ክሸጦ ንዘቕርቦ ዘሎ ሕቶ ብጥርጣረታት ይረኣ ኣሎ።

    እዚ ከም ትካላት ሸርፊ፣ ህንጻን ቴሌኮሚኒኬሽንን ዘጠቓለለ  ብህግደፍ ተባሒቱ ዝጸንሐ ትካላት፣ ብብርኪ ክሽየጥ ምዃኑ ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ብመንገዲ ኤምባሲታት ይሕበሮም እኳ እንተሎ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዘተባብዕ ግብረ መልሲ ከምዘይተረኽቦ ይንገር።

    እቲ ኣቐዲሙ ኤርትራውያን ይኹን ወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ኢዶም ክሕውስሉ ፍቑድ ዘይነበረ፣ ኣገልግሎት ቴሌፎን- ኤሪቴል፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ብርክታት ክዕድጉ ጻውዒት ይግበረሎም  እኳ እንተሎ፣ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ  ንዝሓለፈ ተሞክሮታት ብምውካስ ስግኣት የሕዲሮም ኣለዉ።

    ከምዝፍለጥ፣ ኣብ ኤርትራ ኣገልግሎት ሞባይል ቴሌፎን ኣብ ዝጀመረሉ ትካላት ኮስሞስን ሲሜንስን ኣብዚ ጽላት እዚ ከውፍሩ ምሉእ ምድላዋት ኣካይዶም ክነሶም ብመንግስቲ ተከልኪሎም’ዮም።

    መንግስቲ ኤርትራ በዚ ሕጂ ካብ ዝሓለፈ ጌጋታቱ ተማሂሩ ከመሓይሾ ምዃኑ ተመባጽዒሉ ዘሎ ናይ ወፍሪ ባይታ፣ ኣብ ኢንሹራንስ፣ ትካላት ህንጻ፣ ሆቴላትን ካልኦት ብመንግስቲ ዝውነና ትካላትን ኣውፈርቲ ብርክታት ክዕድጉ ክፉት ጌርዎ ምህላዉ’ዩ ዝጠቕስ ዘሎ።

    እንተኾነ፣ ቅዋምን ኣተኣማማኒ ናይ ቁጠባ፣ ወፍርን ንግንድ ፖሊሲ ኣብ ዘይብላ ሃገር ኣውፈርቲ ገንዘቦም ከፍስሱ ሕሉፍ ተሞክሮታት ህግደፍ የሻቕሎም ምህላዉ’ዩ ዝሕበር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0