ተሳትፎ ኤርትራ ኣብ ውድድር ዳርኤሰላም ኣጠራጣሪ’ዩ ተባሂሉ

ኤርትራ ኣብቲ ካብ 21 ጥሪ ኣትሒዙ ኣብ ዳርኤሰላም ታንዛንያ ዝካየድ ግጥማት ሻምፕዮና ኩዕሶ ሰክዔት ምስታፋ ኣጣራጣር’ዩ ይብሃል ኣሎ።

    ብመሰረት እቲ ኣቐዲሙ ወጺኡ ዘሎ መደባት፣ ኤርትራ እትርከበን 12 ሃገራት ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮን ደቂንስትዮን ናይ መጻርዩ ግጥማት ከካይዳ’የን።

    እንተኾነ ብህድማ ተጻወቲ ኣብ ከቢድ መዋጥር ዝርከብ ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ፣ ናይ ደቂ ተባዕትዮን ደቂንስትዮን ክልተ ጉጅለ ዝሓቖፈት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ ሰኪዔት ኣብቲ ብ’ፊባ ኣፍሪካ ዞና ሓሙሽተ’ ዝፍለጥ ዞባዊ ናይ ሻምፕዮና ግጥማት ንምስታፍ ኣሚኑ ናብ ታንዛንያ ከፋንዋ ተጸጊሙ ምህላዉ ይሕበር።

    ኣብ ካምፓላ ኣብ ዝተኻየደ ግጥማት ሴካፋ፣ 18 ኣባላታ ዑቕባ ንምሕታት ኣብታ ሃገር ድሕሪ ምትራፎም፣ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ካብ ሃገራ ወጻኢ ግጥማት ከይተካይድ ዝወሰነ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት፣ ኣብዚ ናይ ኩዕሶ ሰኪዔት እንታይ ውሳኔ ክወስድ’ዩ ኮሚሽን ስፖርት መልሲ ይጽበ ምህላዉ’ዩ ዝሕበር።

    ኣብቲ ግጥም ክሳተፋ ምዃነን ኣረጋጊጸን ዘለዋ ጅቡቲ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ኡጋንዳ፣ ኬንያ ሶማልያ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ብሩንዲ፣ ርዋንዳ፣ ግብጽን የእንጋዲት ሃገር ታንዛንያን፣ ናይ ደቂንስትዮን ደቂተባዕትዮን ተጻወተን ድሮ ኣብ ጽዑቕ ልምምድ ተጸሚዶም ከምዘለዉን፣ ክሳብ 19 ጥሪ ድማ ኣብ ዳርኤሰላም ታንዛንያን ክርከቡ ምዃኖም ይግለጽ።

    ብወገን ኤርትራ ግና፣ እታ ብውሕዱ 30 ኣባላት ክትሓቑፍ ትጽቢት ዝንበረላ ናይ ደንቂንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ክልተ ጉጅለ ዘለዋ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ ሰኪዔት፣ ካብቲ ኣብቲ ግጥም ተሳቲፋ ዕእወት ሒዛ ንምምላስ ዘሎ ሃንቀውታ ንላዕሊ ጉዳይ መውጽኢ ቪዛን ምምላስ ተጻወቲ ናብ ሃገሮም ዝዓበየ ነጥቢ ኮይኑ ይርከብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0