ደራስን ጋዜጠኛን ዳን ኮነል፣ ኣብ እስራኤል ንዝርከቡ ኤርትራውያን ሰሚናር ኣካዪዱ

ደራስን ጋዜጠኛን ዳን ኮነል፣ ኣብ እስራኤል ንዝርከቡ ኤርትራውያን ሰሚናር ኣካዪዱ

    danዓርኪ ሰውራ ኤርትራ ዝነበረን ብዛዕባ ኤርትራ ሓያሎ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈን ደራስን ጋዜጠኛን ዳን ኮነል፣ ኣብ እስራኤል ምስ ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ሰሚናር ምክያዱ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

    ኣብቲ ብሓሙስ 3 ጥሪ ኣብ ቴልኣቪቭ ጎደና ነቪሽኣናን ዘካየዶ ንኣስታት ክልተ ሰዓታት ዝጸንሐ ሰሚናር፣ ምስቶም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ መብዛሕቶም መንእሰያት ዝኾኑ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ዘተኮረ ኮይኑ ፣ ብዘይካ ኤርትራውያን ብርክት ዝበሉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ እስራኤል፣ ካልኦት ግዱሳንትን ከምእተረኽቡ’ውን ምንጭታትና ኣረጋጊጾም።

    ዳን ኮነል ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ 1976 ኣትሑዙ ናብ ሳህል ብምውራድ ብኣካል ዝተኸታተሎን፣ ክሳብ እዋን ናጽነት ድማ ዓርኪ ሰውራ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ዝቐጸለን ኣመሪካዊ ደራስን ጋዜጠኛን’ዩ።

    ኣንጻር ኩሉ መሰናኽላት፣ እትብል ብእንግሊዝኛ Against All Odds እትብል ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እተንጸባርቕ ኣብ ታሪኽ ዘተኾረት መጽሓፍ ዝደረሰ ዳን ኮነል፣ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈርወሪ ዝምራሕ መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ 2001 ንደሓር ብዘርኣዮ ግኑን ምዕፋንን ምግሃስ መሰል ዜጋታትን ብትሪ ብምቅዋም፣ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ብምውጋን፣ ንመሰል፣ ፍትሕን ደሞክራስያዊ ለውጥን ህዝቢ ኤርትራ ደገፉ ኣብ ምግላጽ ይርከብ።

    ዳን ኮነል ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መዓስከራት ምስ ዝርከቡ ኣማኢት ኤርትራውያን ብምርኻብ ተመሳሳሊ ዘተ ኣካይዱ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0