ዶብ ሶማልን ኢትዮጵያን: ብውሕዱ ሽዱሽተ ኢትዮጵያውያን ብዕጡቓት ተቐቲሎም

Radio Erena: Thursday, 08 February 2024

ንሶማል፣ ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ ዘዋስን ከባቢታት ከተማ በለድ ሃዎ፣ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ሓሙሽተ ደቂንስትዮን ሓድ ሰብኣይን፣ ሽዱሽተ ኢትዮጵያውያን ከምዝተቐትሉ መርበባት ዜና ሓቢረን።

እቲ ናብ 05 ለካቲት ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፣ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሶማል ኣብ እትርከብ ከተማ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ንዜጋታት ኢትዮጵያ ዒላማ ዝገበረ ምንባሩዩ ተሓቢሩ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ፣ ሓንቲ ሶማላዊትውን ብላኼማ ከምዝትቐትለት ኣመሓደርቲ ናይቲ ከባቢ ጠቒሶም።

ካልኦት ሽዱሽተ ኢትዮጵያውያንውን ብፎኵሲን ከቢድን ቆሲሎም ኣለዉ።

ናይቲ ንዜጋታት ኢትዮጵያ ዒላማ ዝገበር መጥቃዕቲ፣ ብወግዒ ሓላፍነት ዝወሰደሉ ኣካል እኳ እንተዘየለ፣ ዕጡቓት ኣልሸባብ ከምዝፈጸምዎዩ እቶም ኣመሓደርቲ ዝወቕሱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን፣ ኣብ ጉዳይ ዋንነት ባሕሪ ዘተኮረ ናይ መረዳድኢ ስምምዕ ድሕሪ ምኽታሞም፣ ኣብ ሶማላውያን ቁጠዐ ኣለዓዒሉ ከምዝርከብ ይፍለጥ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0