ኤርትራ ምስ ሕብረት ኤውሮጳን ዩኒሴፍን ብምትሕብባር፡ ምኽንሻብን ትሕቲ ዕድመ መርዓን ደቂንስትዮን ንምውጋድ፡ ን2 ዓመት ዝጸንሕ ስምምዕ ፈሪማ

Radio Erena: Friday, 09 February 2024

ኤርትራ ምስ ሕብረት ኤውሮጳን ዩኒሴፍን ብምትሕብባር፡ ምኽንሻብን ትሕቲ ዕድመ መርዓን ደቂንስትዮን ንምውጋድ፡ ን2 ዓመት ዝጸንሕ ስምምዕ  ብ19 ጥሪ 2024 ፈሪማ።

ኣብቲ ዝተፈረመ ስምምዕ፡ ኣምባሳደራት ኢጣልያ፡ ፈረንሳ፡ ፈጻሚ ጉዳያት ጀርመንን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ሽወደንን ተረኺቦም።

እዚ ናይ ሓባር ጻዕሪ፤ ኤርትራ ኣንጻር’ዚ ብዓለም ደረጃ ከም ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ገበን ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮን ዝፍለጥ ተግባራት ክትቃለስ ዝድግፍ ክኸውን ከሎ ኤውሮጳዊ ሕብረት ድማ ካብቲ ንምጥባቕ ሰብኣዊ መሰላት ዝዋዕል ባጀቱ ክስለዓላ ምዃኑ አፍሊጡ።

እቲ ኣበርክቶ ንኤርትራ ዘላቒ ልምዓት ንምዕዋት ዝሕግዝ ጥራይ ዘይኮነስ ነዚ ጎዳኢ ተግባራት ዝነጽግን ንኹሉ ዝሓቁፍን ስልጡን ሕብረተሰብ ብምፍጣር ንደቂንስትዮን ሓይሊ ይህብ።

ኤርትራ ካብ 2011 ጀሚሩ ንምውጋድ ምኽንሻብ ደቂንስትዮ ዝዓለመ ሸቶ ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዩኤንኤችሲኣርን ብምዃን ሓባራዊ መደብ ብምሓዝ ኣብ 2018-2021 ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣብ ሳልሳይ ምዕራፍ ብምብጻሕ፡ ብሚኒስትሪ ጥዕና፡ ሚኒስትሪ ዕዮን፡ ማሕበራዊ ድሕነትን ማሕበር ደቂንስትዮን ዝተማእከለ ኣብ 2,670 ምምሕዳራት ንቕሓት ዝፈጥር ጎስጓሳትን ተበግሶታትን ብምውሳድ፤ ኣብ መላእ ሽዱሽተ ዞባታት ዝምስገን ውጽኢት ከምዝተረኽቦ ይፍለጥ።

ኣብ ኤርትራ ምኽንሻብ ደቂንስትዮ ዋላኳ ብሕጊ ክልኩል እንተኾነ ዘይንዓቕ ቁጽሪ ሕብረተሰብ ነቲ ልምምድ ኣብ ምክያዱ ከም ዝርከብ ይፍለጥ።

ትሕቲ ዕድመ መርዓ ይኹን ምኽንሻብ ደቂንስትዮ ምሉእ ብምሉእ ንምውጋዱ ሓያል ጻዕሪን ንቕሓትን ሕብረተሰብ ከም ዝሓትት ይፍለጥ።

ኣህጉራዊ መዓልቲ ዜሮ ተጻዋርነት ምኽንሻብ ደቂንስትዮ ብደረጃ ሃገር ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሓሊብ-መንተል ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ብ6 ለካቲት ተዘኪሩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም፤ ኣብዚ እዋን’ዚካብ ዘለዋ ኣብ 30 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ማእከላይ ምብራቕን ኤስያን ዝርከባ ደቂንስትዮ እተን 200 ሚልዮን ግዳይ ምዃነን ገሊጹ።

ምኽንሻብ ደቂንስትዮ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ክሊ ዕድመ ዕሸልነት ክሳብ 15 ዓመት ኣብ ዝርከባ ንኣሽቱ ኣዋልድ ይፍጸም።

እዚ ተግባራት ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ደቂንስትዮ ይቑጸር።

ምኽንሻብ ደቂንስትዮ ዘስዓቦም ናይ ጥዕና ጸገማት ንምፍዋስ ኣብ ዓመት 1.4 ቢልዮን ዶላር ከምዘድሊ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ።

እዚ ህጹጽ ስጉምቲ እንተዘይተወሲዱ ክውስኽ ትጽቢት ይግበር።

እዚ ንጥዕና ዝኾነ ረብሓ ከምዘይብሉ ብዝተፈላለዩ ሰብ ሞያ ጥዕና ዝግለጽ ተግባራት ብኣንጻሩ ኣብ ጥዕና ጓልንስተይቲ ኣሉታዊ ሳዕቤን ከምዘለዎ ይፍለጥ።

ጥዑይን ንቡርን ቲሹ ብልዕቲ ደቂንስትዮ ብምእላይ ዝካየድ መስርሕ ምኽንሻብ ደቂንስትዮ፤ ከቢድ ቃንዛ፤ ካብ መጠን ንላዕሊ ምፍሳስ ደም ፤ ረስኒ፤ ከም ቴታነስ ዝኣመሰሉ ረኽሲታት፤ጸገም ምቁጽጻር ሽንቲ፤ ጸገማት ምሕዋይ ቁስሊ፤ ክሳብ ሞት ከኸትል ይኽእል።

ንነዊሕ እዋን ዝጸንሑ ጸገማት ድማ ከም ረኽሲ ሻምብቆ ሽንቲ፤ ጸገማት ርሕሚ (ፈሳሲ፣ ባክተርያዊ ርሕሚን ካልኦት ረኽስታትን)፤ ጸገማት ወርሓዊ ጽግያት (ቃንዛ ዘለዎ ወርሓዊ ጽግያት)፤ በሰላ ቲሹ ኬሎይድ፤ ጾታዊ ጸገማት (ኣብ እዋን ርክብ ቃንዛ፡ ምጉዳል ዕግበት)፤ ምውሳኽ ሓደጋ ጸገማት ሕርሲ (ከቢድ ሕርሲ፣ ካብ መጠን ንላዕሊ ምፍሳስ ደም፣ መጥባሕቲ) ከምኡ’ውን ሞት ዕሸላት ኣብ እዋን ሕርሲ፤ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት (ጭንቀት፡ ትሑት ርእሰ-ምትእምማን ወዘተ)ከኸትል ይኽእል።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0