ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብሰንኪ ዘሎ ጸጥታዊ ስግኣት ጂቡቲ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ አሐይላ

Radio Erena: Friday, 09 February 2024

ጅቡቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብሰንኪ ዘሎ ጸጥታዊ ስግኣት እናዓ በየ አብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፤ሓለዋ ስትራተጂካዊ መስመራት ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣሐይላቶ ኣላ።

ኣዛዚ ሓለዋ ባሕሪ ጅቡቲ ኮሎኔል ዋይስ ዑመር ቦጎረህ፤ ነቲ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ዘሎ መጥቃትታት ሑቲ ንምክልኻል ጸጥታ ናይቲ ከባቢ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብዝለዓለ መልክዑ ምውሳኽ እዋኑ ዝጠልቦ ዘሎ ከም ዝኾነ ይዛረብ።

መጻብቦ ባብ ኣል-ማንዳብ ንጅቡቲ ካብ የመን ዝፈልያ ኮይኑ፡ ሑቲ ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚሮም ኣብ ልዕሊ ምስ እስራኤል ርብክ አለወን ዝበሉወን መራኽብ ተኸታታሊ መጥቃዕትታት የካይዱ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ሑቲ ብቐንዱ ምስ ኢራን ርክብ ዘለዎም ሺዓ ኣስላም ኮይኖም፣ ኣንጻር እቲ ዝበዝሑ ሱኒ ኣስላም ዘለዎም መንግስቲ የመንን ኣብ ልዕሊ ብሱኒ ዝምራሕ ስዑዲ ዓረብ ይቃለሱ።

ኣብ መወዳእታ 2023፡ ሑቲ ነቲ ብኢራን ዝድገፍ ሓማስ ኣብ ጎኑ ደም ንምባል ኣብ ባብ ኤል ማንደብ ንዝርከባ መራኽብ ዒላማ ከምዝገብሩ ኣፍሊጦም ነይሮም።

ብፍላይ ምስ እስራኤል ምትእስሳር ኣለወን ንዝበለን መራኽብ፣ ብቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝመላለሳሉ እዋን፣ ብድሮንን ሚሳይላትን ከጥቅዕን ንገሊአን ድማ ክዓግትን ‘ዩ ዝርአ።

ኣብ መንግስቲን ሓይልታት ሑቱን፣ ተገማሚዓ እትርከብ የመን፣ ጸጥታ ገማግም ባሕራ ከተውሕስ ብዘይምኽኣላ፣ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ከምዘሎ ‘ዩ ዝግለጽ።

ብፍላይ ዝበዝሐ ክፋል ናይቲ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስን ክሊ ማይን የመን፣ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ‘ቲ ብኢራን ከምዝድገፍ ዝንገረሉ ሑቲ‘ዩ ዝርከብ።

ሑቲ ኣብ ልዕሊ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝንቀሳቐሳ መራኽብ ዝገብሮ ዘሎ መጥቃዕቲ ንናጻ ዋሕዚ ንግድን ባሕረኛታትን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ከምኡ’ውን ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕስ ምኻኑ ዝተፈለላለዩ ፖለቲከኛታት ይገልጹ።

ቀይሕ ባሕሪ ዓቢ መስመር ዓለማዊ ንግዲ ክኸውን እንከሎ ኣስታት 12% ካብ ዓለማዊ ንግዲ ብቐይሕ ባሕሪን ሱዌዝ ካናልን ይሓልፍ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ናይ 2023 ጥራይ ልዕሊ 100፣ ኮንተይነር ዝጸዓና መራኽብ ካብ ካናል ሱዌዝ ንምርሓቕ ኣብ ዙርያ ደቡባዊ ኣፍሪቃ መስመራት ከምዝቐየራ ይፍለጥ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0