ሑቲ፣ ብቀይሕ ባሕሪ ንዝመላለሳ መራኽብ መጥቃዕታቱ ይቕጽል

Radio Erena: Thursday, 08 February

ሑቲ ናይ የመን፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝመላለሳ መራኽብ ንምጥቃዕ ዝጀመሮ ወፍሪ ከምዝቐጸሎ ኣፍሊጡ።

ንዝበዝሐ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ናይ የመን ተቖጻጺሩ ዝርከብ ሑቱ፣ ኣመሪካን ብሪጣንያን ዘካየዳሉ ጽዑቕ ደብዳባት፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዝጀመሮ መጥቃዕታት ክዓግቶ ከምዘይክእል ገሊጹ።

ከም መርኣያ ናይዚ ድማ፣ ብረቡዕ፣ 06 ለካቲት፣ ኣብ ልዕሊ ክልተ ናይ ንግዲ መራኽብ ሚሳይል ወንጪፉ።

ስታር ናስያዝተባህለት፣ ብግሪክ እትውነን ሓንቲ ካብተን መራኽብ፣ ከፊላዊ ዕንወት ክወርዳ እንከሎ፣ ኣብ ሰራሕተኛታት ዝበጽሐ ጉድኣት ከምዘተለዩ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ብብሪጣንያ እትውነን መርከብ ሞርኒን ታይድስግና ዋላ እኳ እቲ ዝተወንጨፈላ ሚሳይላት እባ ከባቢኣ እንተዓለበ ዝኾነ ዕንወት ከምዘይበጽሓ ተመልኪቱ።

መራሒ ሑቲ፣ ዓብደል ማሊክ ኣል ሑቲ፣ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ መንጎ እስራኤልን ቓዛን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ደው ክብል እንተዘይክኢሉ፣ መጥቃዕታቶም ኣብ ልዕሊ መራኽብ ብዝሓየለ ከምዝቕጽል ኣጠንቂቑ።

ኣመሪካን ብሪጣንያን፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብሑቲ ንዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕታት ንምግታእ፣ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ዝተመርጸ 36 ዒላማታት ከምዝደብደባ ይዝከር።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0