ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ፕረዚደንት ሙጋበ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዱ

መንግስቲ ኤርትራ፣ ደጊሙ ከምዝተዓወተ ንዝገለጸ ፕረዚደንት ዚምባብዌ ሮበርት ሙጋበ ናይ እንቛዕ ሓጎሰካ መልእኽቲ ከምዝልኣኸ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቲ ብመንገዲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ኤምብሲ ኤርትራ ኣቢሉ ናብ ፕረዚደንት ሙጋበ ዝተላእከ ናይ ዮሃና መልእኽቲ፣ ብምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝተላእከ ኮይኑ፣ ደጊሙ ከምዝተዓወተ ንዝገለጸ ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ ምሉእ ጥዕና ተመንዩ።

ይኹን’ምበር እዚ ናብ ሙጋበ ዝተላእከ ናይ ዮሃና መልእኽታት ተራ ዲፕሎማሲ እንተዘይኮይኑ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ፕረዚደንት ሙጋበ ጥቡቕ ዝምድና ስለዘለዎ ኣይኮነን።
መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ናብ ሙጋበ ዝልኣኾ ናይ ዮሃና ደብዳቤ ብማዕከናት ዜና መንግስቲ’ውን ኣይተገልጸን።

89 ዓመት ዝዕድሚኡ ሮበርት ሙጋበ፣ ዚምባብዌ ናጽነታ ካብ እትርከብ ክሳብ እዚ እዋን እዚ ን33 ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሐ ኮይኑ፣ ዕድመን ጥዕናን እንተሂብዎ ድማ ክሳብ መበል 94 ዓመቱ ን38 ዓመታት ነታ ሃገር ክመርሕ’ዩ።

ሙጋበ ኣብዛ ምድሪ ብህይወት ክሳብ ዘሎ ፕረዚደንት ኮይኑ ከገልግል ከምዝደሊ’ዩ ዝገልጽ።
ኣብዚ መወዳእታ ወርሒ ኣብ 31 ሓምለ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ደጊሙ ድሕሪ ምዕዋቱ ኤርትራ ካብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ እናቛዕ ሓጎሰካ መልእኽታት ይቕበል እኳ እንተሎ፣ ሃገራት ኤውሮጳ ግና ዝኾነ መግለጺ’ውን ኣይሃባሉን።

ጋዜጣ ዘ ሄራልድ ካብ ዚምባብዌ ከተማ ሃራራ ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ ድማ መንግስታት ኤርትራን ሱዳንን ዝርከብዎም ሓያሎ መንግስታት ሃገራት ኣፍሪቃ ናብ ፕረዚደንት ሙጋበ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ከምዝሰደዱ ኣረጋጊጹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም መብዛሕቶም መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ብሞት ወይ ብጎነጽ እንተዘይኮይኑ ስልጣን ንህዝቢ ከረክቡ ኣይደልዩን’ዮም።
==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0