መንገዲ ኣየር ኤርትራ ናብ ሃገራት ሕ.ኤ. ከኣይኣቱ ተኸልኪሉ

መንገዲ ኣየር ኤርትራ ናብ ሃገራት ሕ.ኤ. ከኣይኣቱ ተኸልኪሉ

ናይ መጓዓዝያን ካርጎን ነፈርቲ ኤርትራ ናብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ከኣይኣትዋ ተኸልኪለን። ealኮሚሽን ኤውሮጳ፣ ዝርዝር ናይተን ውሕስነት ዘየብለን መንገዲ ኣየር ናይ ዝተፈላለየ ሃገራት ኣብ ዘሐደሰሉ እዋን፣ ኣቐዲመን ተኣጊደን ዝነበራ መንገዲ ኣየር ሞሪታንያን ዮርዳኖስን ናብ ኤውሮጳ ክበራ ክፍቀደለን እንከሎ፣ ኣብዚ እዋን’ዝ ናብ ኤውሮጳ በረራ ከየካይድ ዝተኣገደ ናይ ኤርትራ ጥራይ’ዩ።

       ብቀዳምነት ድሕነት’ዩ ዘገድሰና ዝበለ ኮሚሽነር መጓዓዝያ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ሲም   ካላስ፣ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዋጋ ዕዳጋ ከምዘይገብሩ ብምጥቃስ ንኤርትራ ከምዝጸንበርዋ ኣረዲኡ። እቲ ሕብረት ቴክኒካውን ምምሕዳራውን ብቕዓት ንዘየብለን ሃገራት ንምሕጋዝ’ውን ድሉው ምዃኑ ሓቢሩ። መንገዲ ኣየረ ኤርትራ፣ ቅድሚ 10 ኣዋርሕ ኣቢሉ ናብ ፍራንክፈርት ጀርመን ዝጀመሮ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ከምዝተቛረጸ ኣብቲ እዋን’ቲ ብሬድዮ ኤረና ተሓቢሩ’ዩ።   መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ምምሕዳራዊ ብቕዓቱ ከየመሓየሸን ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝካየድ ቀጥታዊ ጣልቃ ምእታው ከየቛረጸን ክበራበር ከምዘይክእል ኣካያዲ እቲ መንገዲ ኣየር ነበረ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ ምስ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዘካየዶ ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ ምንጻሩ ኣይርሳዕን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0