ኣብ ኢጣልያ ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐንዐ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

ኣብ ኢጣልያ ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐንዐ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

Radio Erena: 17 November 2014

Rome demo

ኣብ ኢጣልያ ከተማ ሮማ ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐንዐ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

ኣስታት ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ሕሉፍ መርገጺ ዘለዎም ኢጣልያውያን፣ ኣብ ሮማ ድሕሪ ምትእክኻብ፣ ከንቲባ እታ ከተማ ንስደተኛታት ናጻ ይፍንዎም ምህላዎ ተቓዊሞም።

ሓያሎ ካብቶም ሰልፈኛታት’ውን ኣብ ጎደናታት ንዝጸንሕዎ ስደተኛታት ከጥቕዑ ከምዝተራእዩ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

ጳጳስ ፍራንሲስ፣ እቲ ኣንጻር ስደተኛታት ዝተኻየደ ጎነጽ ዝተሓወሰ ሰላምዊ ሰልፊ ምልክት ናይ ማሕበራዊ ህጹጽ እዋን’ዩ ክብሉ’ውን ገለጺሞ።

 

መንግስቲ ኢጣልያን ሃገራት ኤውሮጳን ሓባራዊ መፍትሒ ከናድያሉ’ውን ተላብዮም።

ከተማ ሮማ ብፍላይ ኣብዚ ዓመት እዚ ኣሽሓት ኤርትራውያን ብዝርከውቦም ጻዕቒ ስደተኛታት ኣጥለቕሊቓ ከምዝተራእየት ዝሓበሩ እቶም ሰልፈኛታት፣ ንምድኻም ቁጠባ ኢጣልያ ጠንቒ’ዮም ክብሉ’ውን ወቒሶም።

እንተኾነ ምድኻም ቁጠባ ኢጣልያ ምስ ዋሕዚ ስደተኛታት ዘተኣሳስር ከምዘይብሉ ዝሓበሩ ካልኦት ወገናት ከኣ፣ መንግስቲ እታ ሃገር ቁጠባዊ ምትዕርራይ ክገብር ጸዊዖም።

ኣብ ኢጣልያ ስራሕ ኣልቦ ናይ ዝኾኑ ዜጋታት’ታ ሃገር ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናዛየደ ብምምጽኡ፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ተቓውሞታት ክውደብ ጸኒሑ’ዩ።

===========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0