ኣብ ስፔን፣ ደሴት መኖርካ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ስነ-ጽሑፍ ምሸት፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ናብ ዝርከቡ ሰለስተ ኤርትራውያን ገጠምቲ ኣተኩሩ

ኣብ ስፔን፣ ደሴት መኖርካ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ስነ-ጽሑፍ ምሸት፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ናብ ዝርከቡ ሰለስተ ኤርትራውያን ገጠምቲ ኣተኩሩ

Radio Erena: 17 November 2014

Eri Poets

ኣብ ስፔን፣ ደሴት መኖርካ ብቀዳም 15 ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ፈስቲቫል ካታላን ፔን፣ ኣብ ዝተኣንገደ ናይ ስነ ጽሑፍ ምሸት፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ናይ ዝርከቡ ገጠምቲ ግጥማት ዓባየይ መዓረይ ናይ ይርግኣለም ፍስሃ ፣ እንስሳ ዘገዳም ናይ መለስ ንጉሰን እንታይ ተረኽበ ኣይትበላ ናይ ግርማይ ኣብህራምን ናብ ቋንቋ ካታላን ተተርጉመን ንህዝቢ ከምዝቐረባ፣ ካብቲ ቦታ ዝተላእከልና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ንእሱራት ጸሓፍትን ደረስትን ንምዝካር ዝተኻየደ ምሸት፣ ብስእሊ ዝተሰነየ ታሪኽ ህወይት ናይዞም ንኣስታት ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ህቡባት ኤርትራውያን ገጠምቲ ምቕራቡ’ውን እቲ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ኣብ ላምፔዱሳ ኣብ ዘጋጠመ ሓደጋ ባሕሪ ናይ ዝሞቱ ኤርትራውያን ሬሳ ኣብ ዝተኣከበሉ፣ ቁጽሪ 92 ዝተዋህባ ናይ ቆልዓ ሳንዱቕ ሬሳ መበገሲ ብምግባር፣ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝምቕማጣ ኤርትራዊት ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ሰላም ኪዳነ ዘዳለወታ Number 92 ዘርእስታ ግጥሚ’ውን ብተመሳሳሊ ኣብቲ ምሸት ተተርጉማ ምቕራባ’ውን እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣረዲኡ።

 

ብመሰረት እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ፣ ኣብታ ውሕዳት ነበርቲ ዝቕመጡላ ንእሽቶ ደሴት መኖርካ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ስነጽሑፍ ምሸት ኣስታት 200 ሰባት ተረኺቦም ኔሮም።

ጎኒ’ ጎኒ’ቲ ኣብ ስፔን፣ ዞባ ካታላን ዝካየድ ዘሎ ኣህጉራዊ ዝኽሪ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ናይ ዝርከቡ ጽሓፍቲ፣ መበል ሓሙሻይ ዓመት ሽልማት ካታላን ፔን፣ ኤርትራዊ ጸሓፊ ደሳለ በረኸት ከምዝተዓወተ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0