ፕረዚደንት ዚምባብዌ ሮበርት ሙጋበ፣ ብሓደ ካብ ናይ ቀረባ ሰበ ስልጣናቱ ናይ ቅትለት ውድኢት ተኣሊምሉ ክትብል ናይ መንግስቲ ጋዜጣ ኸሲሳ

ፕረዚደንት ዚምባብዌ ሮበርት ሙጋበ፣ ብሓደ ካብ ናይ ቀረባ ሰበ ስልጣናቱ ናይ ቅትለት ውድኢት ተኣሊምሉ ክትብል ናይ መንግስቲ ጋዜጣ ኸሲሳ

Radio Erena: 17 November 2014

Mugabe

ፕረዚደንት ዚምባብዌ ሮበርት ሙጋበ ብሓደ ካብ ናይ ቀረባ ሰበ ስልጣናቱ ናይ ቅትለት ውጥን ተኻይድሉ ክትብል ሳንደይ መይል ዝተባህለት ብመንግስቲ እትውነን ጋዜጣ እታ ሃገር ሓቢራ።

እታ ጋዜጣ፣ ሓደ እዋን፣ ንፕረዚደንት ሙጋበ ክትክእ ይክእል’ዩ ዝብሃለሉ ዝነበረ ኣፈኛ ሙጋበ ነበረ ሩጋረ ጉምቦ፣ ነቲ ፕረዚደንት ንምቕታል ውጥን ከምዝኣለመ ናይ ድምጽን ካልእን መርትዖታት ከምዘሎ እኳ እንተሓበረተ፣ ብናጻ ኣካል ግና ክረጋገጽ ኣይከኣለን።

ሩጋረ ጉምቦ ብወገኑ፣ ኣብ ናይ ሰልፊ ዛኑ ፒኤፍ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ምስ ፕረዚደንት ሙጋበ ዘየሰማምዕ ነጥቢ ከምዝተረኸበን፣ ድሕሪ’ዛ ዕለት እዚ ኸኣ፣ እቲ ፕረዚደንት ምክትሉ ዝኾነት ጆይስ ሙጁሩ እትርከቦም ሓያሎ ሰበ ስልጣን ብዕልዋ መንግስቲ ክኸሶም ምዃኑ ከፈራርሕ ከምዝጸንሐን ኣረዲኡ።

 

ትማሊ ሰንበት ከኣ እታ ብመንግስቲ እትውነን ጋዜጣ ሳንደይ መይል፣ ብሃንደበት ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሙጋበ ናይ ቅትለት ውዲት ከምዝተኣልመ ምኽሳሳ ሓቢሩ።

ወዲ 90 ዓመት ሮበርት ሙጋበ፣ ብእርጋንን ሕማምን ተሰኒፉ ኣብ ዘለወሉ ግዜ፣ ስልጣን ናብ መን? ብኸመይ? ይሰጋገር ዝብል ሕቶ፣ ኣብ መንጎ ፖለቲከኛታት ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ዛኑ ፒኤፍን ካልኦት ፖለቲከኛታት እታ ሃገርን ዝዓበየ ክትዓት ኮይኑ ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ።

ብሰንኪ’ዚ ነጥብታት እዚ’ውን ኣብ መንጎ’ቲ ን34 ዓመታት ስልጣን ብሒቱ ዝርከብ ሙጋበን ፖለቲካዊ ሰልፉ ዛኑ ፒኤፍን ምክፍፋል ይርአ ከምዘሎ ፖለቲካውን ተዓዘብቲ ይጠቕሱ።

ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ፣ ስልጣን ክሳብ ብሞት ዝፍለ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ከምዝኾነ ብምርግጋጽ፣ እንተሞተ’ውን ስልጣኑ 49 ዓመት ንዝዕድሚኣ በዓልቲ ቤቱ ግሬስ ሙጋበ ንምስግጋር ይሰርሕ ምህላዉ’ዮም ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ዝወቕሱ።

======================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0