‘ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ግዳያት ዝተፈላለሉ ሓይልታትን መሳርሒ ፖለቲካን ይኾኑ ኣለዉ’

Radio Erena: 08 April 2022

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፈርን ኣብ ዝርከብ መዓስከራት ዘለዉ ልዕሊ 25 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት’ ግዳያት ዝተፈላለዩ ሓይልታትን መሳርሒ ፖለቲካን ይኾኑ ምህላዎም ተሓቢሩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ከባቢ ዳባት፣ ኣብ ዝተደኮነ፣ ሓድሽ መዓስከር ኣለምዋጭ፣ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ብዝኸፈትዎ ቶዅሲ ብውሕዱ ሸሞንተ ኤርትራውያን ከምዝቖሰሉ ተገሊጹ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ፣ ሓይልታት ኣምሓራ፣ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ክሰግሩ ንዝሓዝዎም ሓሙሽተ ኤርትራውያን፣ ኣባላት ጁንታ ኢኹም ብምባል ከምዝረሸንዎም ክስማዕ ጸኒሑ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ካብ ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ ክሰግሩ ዝተታሕዙ ኤርትራውያን ናብ ሰራዊት ኤርትራ ተረኪቦም፣ ሓይልታት ትግራይ ብስለያ ንዝጠርጠርዎም ኤርትራውያን ረሺኖም ዝብልን ካልእን ሓበሬታታ’ውን ብማሕበራዊ ሜድያ ክጋዋሕ ቀን’ዩ’ዩ።

ራድዮ ኤረና፣ ናይዚ ብተደጋጋሚ ዝቃላሕ ዘሎ መቕተልቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ከተረጋግጾ እኳ እንተዘይክኣለት፣ ኣብ ሕማቕ ኩነታትን ሻቕሎትን ከምዝርከቡ ፍሉጥ ‘ዩ።

ዳይረክተር ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፣ ወይዘሮ ኤልሳ ጭሩም ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ኣብ ዝዘርግሓቶ ሓበሬታ፣ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ፖለቲካ መሸቐጢ ካብ ምግባሮም፣ ህይወቶም ንምድሓን እንተንቃለስ’ዩ ዝሓይሽ ክትብል ኣስሚራትሉ።

ኣብ ማይዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን፣ ህጻናትን ነፍሰጾራትን ዝርከብዎም ልዕሊ 25,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ናይ መግቢ ረዲኤት ካብ ዘይረኽቡ ልዕሊ ክልተ ወርሒ ኣቝጺሩ ከምዘሎ ዘተሓሳሰበት ወ/ሮ ኤልሳ ጭሩም፣ እዚ ድማ ኣብ ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ዕጽዋ ዝተፈጥሮ ደኣ’ምበር፣ ሕቡራት ሃገራት ወይ UNHCR፣ ዝዕድሎም ዝነበረ ወርሓዊ መቑነን ስለዘቛረጸ ከምዘይኮነ ኣረዲኣ።

ብሰንኪ’ዚ ኣንጸላልዩ ዘሎ ከቢድ ናይ ጥሜት ሓደጋ፣ ኣብ ናይ ጥዕና ጸገም ዝጸንሑን ህጻናትን ግዳያት ሞት ይኾኑ ምህላዎም ብተደጋጋሚ ትተቓሊሑ’ዩ።

ካብዚ ኣብ ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ዕጽዋን ኣንጸላልዩ ዘሎ ጥሜትን ብምህዳም፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፈርን ኣብ ዝሰግርሉ እዋን ድማ ንብዙሕ ተወሳኺ ስቓይ ይቃልዑ ምህላዎም ‘ዮም ዘመልክቱ።

ጸገም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍታሕ፣ ናብ ሳልሳይቲ ሃገር ምስ ዝግዕዙ ጥራይ ስለዝኾነ፣ ኣብዚ ዘድሃበ ጎስጓስ ክካየድ ወ/ሮ ኤልሳ ጭሩም ኣብ መልእኽታ ተላብያ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ብምጥርናፍ ስድራቤታት ይኹን ካልእ ምኽንያታት ናብ ሳልሳይቲ ሃገር ንምውጻእ ጉዳዮም ዝወድኡ ኤርትራውያን፣ ብትካል ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ ወይ ARRA ተዓጊቶም ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

እቲ ትካል ዳግም ስርሑ ከምዝጀመረ ካብ ዝገልጽ ወርሑ ሓሊፉ እኳ እንተኾነ፣ ንስደተኛታት ኤርትራ ናብ ወጻኢ ሃገራት ከይከዱ ዓጊቱ ይርከብ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ‘ከነሳልጠልኩም ብዝብሉ ወገናት’ ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ግዳያት ጉቦን ካልእ ወጻኢታትን ይኾኑ ምህላዎም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ምንጭታት ኤረና ሓቢሮም።

=========================

# ብዛዕባ ኩነታት ናይቶም፣ ኣብ ጎንደር፣ ከባቢ ዳባት፣ መዓስከር ኣለምዋጭ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝዳህሰሰ ቃለ መጠይቕ፣ ኣብ ናይ ጽባሕ ቀዳም፣ 9 ሚያዝያ መደብ ክፉት ዘተ ከነቕርብ ኢና።

ስ እሊ፦ ማይ ዓይኒ – UNHCR

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0