መራኽብ ኵናት ቻይና፣ ንመጀመርያ እዋነን ኣብ ጂቡቲ ከምዝተራእያ ተሓቢሩ

Radio Erena: 08 April 2022

መራኽብ ኵናት ቻይና፣ ንመጀመርያ እዋን፣ ኣብ ጂቡቲ ከምዝተራእያ ዝተፈላለዩ ወትሃደራውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

ቻይና፣ ኣብ ጂቡቲ ካብ 2016 ኣትሒዛ ወትሃደራዊ መዓስከር ካብ እተቕውም፣ መራኽብ ኵናት ናብታ ሃገር ክጽግዓ እዚ ናይ ፈለማ ምዃኑ’ዩ ተጠቒሱ።

እተን ጭፍራ መራኽብ፣ ሉማሁ ብዝተባህለት፣ Type-903A ዝዓይነታ ዓባይ ናይ ኵናት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ናይቲ ብ ‘ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት’ ዝፍለጥ ኣሃዱ ቻይና ዝተመርሓ’የን።

እታ መርከብ፣ ኣብ መጀመርያ ጥሪ 2022፣ ካብ ደቡባዊ ቻይና፣ ዞባ ጉኣንዶንግ፣ ኣብ እትርከብ፣ ወደባዊት ከተማ ዛንዢያንግ ድሕሪ ምብጋሳ፣ ኣብ ክሊ ማይ ማይ ወሽመጥ ዓደን፣ ንግዳዊ መራኽብ ቻይና ከተሰኒ’ያ ጸኒሓ።

ዝሓለፈ ሰሙን ድማ ናብቲ ኣብ ጂቡቲ ዝርከብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ቻይና ከምዝተጸግዐት ተሓቢሩ።

ቻይና፣ መራኽባ ናብ ጂቡቲ ዘጸግዓትሉ ምኽንያት ኣይተነጸረን።

እቲ ፍጻሜ፣ ኣብታ ጂቡቲ ወትሃደራዊ መዓስከራት ንዘለወን ኣመሪካን ፈረንሳን፣ ኣሻቓሊ ምዃኑ ወትሃደራውያን ተንተንቲ የረድኡ።
======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0