ሩስያ ካብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ተወንዚፋ፣ ኤርትራ ግና ንሩስያ ደጊፋ

Radio Erena: 07 April 2022

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ወራር ኣካይዳትሉ ኣብ ዘላ እዋን፣ ሰራዊታ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብዝፈጸምዎ ግፍዒ፣ ቅትለትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን፣ ካብ ኣባልነት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ተወንዚፋ።

ሩስያ ካብቲ ቤት ምኽሪ ንኽትውንዘፍ፣ ብኣመሪካ ንዝቀረበ ንድፊ፣ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ዝሃቦ ድምጺ ክልተ ስሊሳዊት ድምጺ ብምርካቡ’ዩ ጸዲቑ::

ኣብቲ ድምጺ ናይ ምሃብ መስርሕ፣ 93 ሃገራት ሩስያ ክትውንዘፍ ክድግፋ እንከለዋ ኤርትራ እትርከበን24 ሃገራት ተቓዊመነኦ። 54 ሃገራት ድምጺ ካብ ምሃብ ተቖጢበን። 16 ሃገራት ድምጺ ካብ ምሃብ ቦኺረ።

ሩስያ 47 ንዝኣባላቱ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ብፕረዚደንትነት ክትመርሖ’ያ ጸኒሓ። በዚ ምኽንያት ኩሉ ዝመጽእ ጥርዓናት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ምምእካል ዕድል ኔሩዋ።

ሰራዊት ሩስያ፣ ንርእሰ-ከተማ ዩክሬን ኣብ ሓውሲ ክባ የእትዩ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ምንስሓብ ኣካያዱ ኣሎ።

ድሕር ‘ቲ ምንስሓብ፣ ኣብ ሓያሎ ዓድታት ብፍላይ ድማ ‘ቡቻ’ ኣብ ከባቢ፣ ሓያሎ ሰላማውያን ሰባት ብዘሰቅቕ ኣገባብ ተቐቲሎም ተረኺቦም።

ሩስያ ብተወሳኺ: ኣብ ልዕሊ መንበሪ ኣባይቲ ሰላማውያን ሰባት ኣልማማ ደብዳብ ከተካይድ ቀንያ።

ኣብ ሆስፒታላት መወለዳን ከይተረፈ ብዝተኻየደ ደብዳብ፣ ዓሰርተታ ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ማዕከናት ዜና ዓለም መስኪረን።

ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ዓለም ናብ ሃገራ ከይፍኖ ዓፊና ዘላ ሩስያ፣ ነቲ ኣካይዳቶ ተባሂሉ እትኽሰሰሉ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ቅትለትን ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂባ።

ምስሊ ሩስያ ንምድዋን ኮነ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ድራማ ‘ዩ ክትብ’ውን ገሊጻቶ።

ሩስያ ካብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገሪት ክትእለ ኣብ ዝተዋህበ ድምጺ፣ ኤርትራ ሕጂ’ውን ኣብ ጎኒ ሩስያ ደው ምባላ ብምግሃድ፣ ኣይፋል ንውንዘፋ ኣድሚጻ ኣላ።

ሩስያ፣ ኣንጻራ ንዘድመጻ ሃገራት ‘ዘይምሕዝነታዊ’ ስጉምቲ ብምባል ኣብ ልዕልኤን ሕነ ክትፈዲ ምኳና ኣጠንቂቓ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0