ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ኣህጉራዊ ዋዕላ ምዕባለ ቴሌኮም ዓለም፣ ብሰንኪ ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ናብ ርዋንዳ ተሰጋጊሩ

Radio Erena: 25 April 2022

ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ኣህጉራዊ ዋዕላ ምዕባለ ቴሌኮም ዓለም፣ ብሰንኪ ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ናብ ርዋንዳ ከምዝተሰጋገረ ወደብቲ ኣፍሊጦም።

እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ንመጀመርያኡ ክካየድ ዝተወጠነ ኣህጉራዊ ዋዕላ፣ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ፣ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክእንገድ ምድላዋት እኳ እንተተገብረሉ፣ እታ ሃገር ኣብ ኵናት ትግራይ ስለዝተሸመመት ከተሰላስሎ ስለዘይከኣለት ናብ 2022 ክሰጋገረላ ሓቲታ።

እንተኾነ፣ ነቲ ኣህጉራዊ ዋዕላ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ንምክያድ ዝውድብ፣ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣተኣማማኒ ሰላምን ጸጥታን ስለዘየለን እታሃገር ዘላቶ ፖለቲካዊ ኩነታት ድማ ከምዚ ዓይነት ኣህጉራዊ ዋዕላታት ከተተኣናግድ ስለዘይፈቅድ፣ ናብ ርዋንዳ ክሰጋገር ወሲኑ።

እቲ ኣብ ምሕደራ ዲጂታላዊ ዓለም፣ ርክባት ካልእን ዘጠቓለለ ዝተፈላለየ ዘተን ንጥፈታትን ዝሓቖፈ ኣህጉራዊ ዋዕላ፣ ካብ 6 ክሳብ 16 ሰነ፣ ኣብ ርዋንዳ፣ ከተማ ኪጋሊ ንምክያድ ድሮ ምዝገባን ምድላዋትን ጀሚሩ ኣሎ።

ርዋንዳ፣ ነዚ መራሕቲ ሃገራት፣ ሰበ ስልጣን፣ ወነንቲ ዓበይቲ ናይ ቴሌኮም ኩባንያታት፣ ትካላት ዲጂታላዊ ምዕባለ፣ ተመራመርቲ፣ ምሁራት፣ ተማሃሮን ኣውፈርትን ዝርከብዎም ኣሽሓት ሰባት ዝሳተፍዎ ዋዕላ፣ ዘእንገደት ናይ መጀመርያ ኣፍሪቃዊት ሃገር ንምዃን ክትበቅዕ’ያ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0