ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ነበር ዝምርሖ ጉጅለ ሶማል ናብ ኤርትራ በጺሑ

Radio Erena: 25 April 2022

ብሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ነበር፣ ፋሃድ ያሲን ዝተመርሐ ጉጅለ ሶማል ናብ ኤርትራ ከምዝበጽሐ ምንጭታት ራድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

እቲ ጉጅለ፣ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ሰሉስ 19 ሚያዝያ፣ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ፣ ካብ ኣቡዳቢ፣ ብመንገዲ ኣየር ነፋሪት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ናብ ኣስመራ ከምዝኣተወት ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ዕላማ ዑደታ ንጹር ከምዘይኮነ ኣረዲኦም።

እንተኾነ፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሶማልን ውጽኢት ምርጫ ክፈጥሮ ዝኽእል ተወሳኺ ወጥሪን ብዝምልክት ምስ ሰበ ስልጣን ኤርትራ ንምዝርራብ ክኸውን ከምዝኽእል ይእምቱ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ዑደት ናይቲ ሓላፊ ጸጥታ ነበር፣ ብዛዕባ’ቶም ናብ ኤርትራ ተላኢኾም ዝተባህለ ወትሃደራት ሶማልን ድሕሪ ምቕያር ፕረዚደንት ክህሉ ዝኽእል መርመራታትን ምቅላዕ ምስጢራትን፣ ብኸመይ ይተሓዝ ኣብ ዝብል ነጥቢ ‘ውን ከተኩር ከምዝኽእል ይግመት።

ፋሃዲ ያሲን፣ ጸግዒ ናይቲ ኣብዚ ቀረባ ብምርጫ ክእለ ትጽቢት ተነቢርሉ ዘሎ ፕረዚደንት መሓመድ ፋርማጆ ዝሓዘ ኮይኑ፣ ብጉዳይ እቶም ናብ ኤርትራ ተላኢኾም ዝተባህሉ ወትሃደራት ሶማልን ቅትለት ናይ ሓንቲ ናይቲ ጉዳይ ሰነድ ዝነበራ ኣባል ስለያን፣ ብቀዳማይ ሚኒስተር ሑሰን ሮብለ ካብ መዝነቱ ከምዝተሰጎገ ይዝከር።

እንተኾነ፡ ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ንምስጓግ ናይቲ የማናይ ኢዱ ዝነበረ ሓላፊ ስለያ ብምቅዋም፣ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ስልጣኑ ከደስክሎ ፈቲኑ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ እቲ ፕረዚደንት፣ ኤርትራዊት በዓልቲ ቤት ከምዘላቶ ንዝተሓበረ፣ ዓብደረዛቕ መሓመድ ዝተባህለ ኣባል ስለያ፣ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ሶማል ክኸውን መዚዙዎ።

ኣቐዲሞም፣ ብዝተፈላለየ ጉዳያት ክሰሓሓቡ ዝጸንሑ ፕረዚደንት ፋርማጆን ቀዳማይ ሚኒስተር ሮብለን፣ ናይ ኤርትራ ተወሲኽዎ ናብ ምፍጣጥ ድሕሪ ምእታዎም፣ ብመንጎኝነት ኣካላት መግስስቲ እታ ሃገር፣ ክልቲኦም ዝተሰማምዕሉ ሓደስ ሓላፊ ስለያ ብምምራጽ፣ ንፋሃድ ያሲን ካብ መዝነቱ ኣልዒሎሞ።

ይኹን’ምበር ፋሃድ ያሲን፣ ካብ ሓላፍነት ሃገራዊ ድሐትን ጸጥታን ሶማል ምስተኣልየ ‘ውን ምስ ፕረዚደንት ፋርማጆ ጥቡቕ ርክብ ከምዘለዎ ይፍለጥ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0