መንገዲ ኣየር የመን፣ ካብ 24 ሚያዝያ ኣትሒዙ ካብ ሰንዓ ቀጥታዊ ኣህጉራዊ በረራ ንምጅማር ዝሰርዖ መደብ ብሃንደበት ተሰሪዙ

Radio Erena: 25 April 2022

ሰንዓ ኣብ ትሕቲ ሑቲ ድሕሪ ምውዳቓ፣ ንሽዱሽተ ዓመታት ተቛሪጹ ዝጸንሐ፣ ቀጥታዊ በረራ ካብን ናብን እታ ከተማ ሰንበት 24 ሚያዝያ ክጅምር ምዃኑ ብወግዒ ተኣዊጁ፣ ቀዳሞት ገያሾ ናብ ዮርዳኖስ ነቒሎም።

እንተኾነ፣ እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ውዱእ ሰዓት ፍቓድ ኣይረኸብኩን ብዝብል ነቲ በረራ ብምስራዝ፣ ንሕክምናን ካልእ ህጹጽ ጉዳያትን ንዝተበገሱ ገያሾ ይቕሬታ ሓቲቱ።

የመን፣ ኣብ መንጎ ሑቲን ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ የመንን ተመቓቒላ ኣብ ዘላትሉ እዋን፣ ኣህጉራዊ ናይ መጓዝያ በረራታት ናብታ ኣብ ትሕቲ ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝድገፍ መንግስቲ የመን እትርከብ ዓደን ጥራይ’ዩ ክካየድ ጸኒሑ።

ፕረዚደንት ነበር ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ፣ ስምምዕ ሰላም ዝሓሸ ዕድል ንምሃብ ብዝብል፣ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ስልጣኑ ሸሞንተ ኣባላት ንዘለውዋ ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ድሕሪ ምርካቡ፣ ሑቲን መንግስቲን ናብ ዘተ ክቕርቡ ከምዝኽእሉ ክዝረብ ጸኒሑ።

ምጅማር ቀጥታዊ ኣህጉራዊ በረራ ካብታ ሑቲ ዝቖጻጸራ ከተማ ሰንዓ ሓደ ካብቲ ተስፋ ዝሃበ ኣጋጣሚ ኮይኑ፣ የመናውያን ብሃንቀውታ ክጽበይዎ ጸኒሖም።

ዘይከም ትጽቢት ግና፣ ሕጂ’ውን ከተማ ሰንዓ ኣብ ከበባ ክትቕጽል ምዃና ስለዝተመልከተ፣ ምስራዝ ናይቲ ናይ በረራ መደብ ተሓቢሩ ኣሎ።

ሑቲን መንግስቲ የመንን፣ ንምስራዝ ናይቲ ኣህጉራዊ በረራ፣ ሓድሕዶም ይወቓቐሱ ኣለዉ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0