ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝተጠፋፈአ ረዲኤት ብዝተሓሓዝ፣ ሰበ ስልጣን ውድብ መግቢ ዓለም ካብ ስልጣኖም ተኣልዮም

Radio Erena: Tuesday, 06 June 2023

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ኵናት ንዝተፈጥረ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝውዕል፣ ብኣመሪካን ካልኦት ለገስቲን ዝተዓደለ ረዲኤት ብምጥፍፋእ ሓያሎ ወገናት ኣብ ዝጥርጠርሉ ዘለዉ እዋን፣ ኣብታ ሃገር ዝመደበሮም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ውድብ መግቢ ዓለም ስልጣኖም ከምዝሓደጉ ተገሊጹ።

ሓላፊ ውድብ መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክሉድ ጂቢዳርን ምክትሉ ጀኒፈር ቢቶንድን፣ ስልጣን ንምሕዳግ ደብዳቤ ከምዘቕረቡ ዝግለጽ ዘሎ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ትግራይ ተጠፋፊኡ ዝተባህለ ረዲኤት ዝተጀመረ ምጽራይ፣ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብወግዒ ክቃላዕ’ዩ ኣብ ዝብሃለሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ኣብ ትግራይ፣ ብሰንኪ ኵናት ተጸበይቲ ረዲኤት ንዝኾኑ ሚልዮናት ሰባት ዝተላእከ ረዲኤት፣ ተጠፋፊኡ ኣብ ዕዳጋታት ይሽየጥ ከምዘሎ ድሕሪ ምርግጋጹ፣ ካብ ቀንዲ ለግስቲ ዝኾነት ኣመሪካ፣ ሓገዝ ደው ኣቢላቶ ምህላዋ ይፍለጥ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ነቲ ካብ ኣፍ ህዝቢ ተመንጢሉ ተጠፋፊኡ ዝተባህለ ረድኤት ብምጽራይ፣ ኣብ ልዕሊ ነቲ ገበን ዝፈጸሙ ወገናት ተሪር ስጉምቲ ከምዝወስድ ‘ዩ ኣፍሊጡ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ማይክ ሃመር፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፣ ኣመሪካ ኣቛሪጻቶ ዘላ ረዲኤት ዳግም ክትጅምሮ፣ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ተማሕጺኑ።

እንተኾነ፣ እቲ ተጠፋፊኡ ዝተባህለ ረዲኤት፣ ኣብ ትግራይ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ካልኦት ክልላት’ውን ተመሳሳሊ ምዃኑ፣ ኣብታ ሃገር ምስ ዝርከብ ውድብ መግቢ ዓለም ምትእስሳር ንዘለዎም ምንጭታት ብምጥቃስ ዝተፈላለያ መርበባት ዜና ኣመልኪተን።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ንክልተ ዓመታት ብዝቐጸለ ግጭት፣ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፈርን ዝርከብ ኣስታት 7 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባዪ ረዲኤት ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ካልእ ክፋላት እታ ሃገር ተኸሲቱ ብዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ድማ ብድምር ኣስታት 13ሚልዮን ህዝቢ ንሓደጋ ጥሜት ተቓሊዑ ይርከብ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0