ኣመሪካ፣ ንጥሙር ሓይልታት ሩስያን ቻይናን ንምምካት፣ ተወሳኺ ኑክሌራዊ ኣጽዋራት ከምዘየድልያ ኣፍሊጣ

Radio Erena: Tuesday, 06 June 2023

ኣመሪካ፣ ካብ ጥሙር ሓይልታት ሩስያን ቻይናን ክመጽኣ ንዝኽእል ስግኣት ንምምካት፣ ተወሳኺ ኑክሌራዊ ኣጽዋራት ምዕባል ከምዘየድልያ ኣፍሊጣ።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ፣ ጄክ ሱሊቫን፣ ኣብ02 ሰነ፣ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣመሪካ ምዕቡል ኣጽዋራት ዝዓጠቐ ዓቕሚ ስለዘለዋ፣ ካብዘን ክልተ ሃገራት ክመጽእ ንዝኽእል ስግኣት ንምምካት ተወሳኺ ናይ ኑክሌር ኣጽዋራት ከምዘየድልያ ኣረዲኡ።

ኣመሪካ፣ በቲ ኣብ 2010 ዝኸተመቶ፣ ተወሳኪ ናይ ኑክሌር ኣጽዋራት ናይ ዘምይምፍራይ ውዕል ከምእትቕየድ ብምዝኽኻር፣ እዚ ግና ሩስያን ቻይናን ‘ውን ነቲ ውዕል ምስ ዘኽብራ ጥራይ ምዃኑ ኣነጺሩ።

እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመርካ፣ ነዚ ዝገለጸ፣ ኣብ ምቑጽጻር ኣጽዋር ንዝነጥፍ ትካል ኣብ ዘቕረቦ መደረ’ዩ።

ኣብ 2026 ዘብቅዕ እቲ ውዕል፣ ንምውናሑ፣ ኣብ መንጎ ‘ተን ኑክሌራዊ ኣጽዋራት ዝዓጠቓ ሃገራት ዘተ ክካየድ ትጽቢት ይግበር።

ኣብ መንጎ እቲ ብኣመሪካ ዝመራሕ ምዕራባዊ ደምበን፣ ሩስያን ቻይናን ድማ በቲ ካልእ ወገን ዝጸንሐ፣ ናይ ነዊሕ እዋን ናይ ፖለቲካን ዲፕሎማሲን ምትፍናን፣ ናይ ረብሓታት ምሽማውን ስርዓተ ዓለም ምቕያርን ኣብ ዝግበር ዘሎ ምድፍፋእ ተደሚርዎ፣ ሓደ እዋን ናብ ኵናት ከምርሕ ይኽእል’ዩ ኣብ ዝብሃለሉ ዘሎ ዘመን፣ እዘን ሃገራት ዝተራቐቐ ኣጽዋራት ኣብ ምምዕባል’የን ዝርከባ።

ኣመሪካ፣ ብፍላይ ኣብ ወትሃደራዊ ጉዳያት ብምትኳር ምስ ሩስያን ቻይናን ክትዝቲ ከምእትደሊ ትገልጽ እኳ እንተኾነት፣ ካብተን መጻርርታ እወታዊ ምላሽ ከምዘይረኸበት’ዩ ዝጥቐስ።

ጎኒ ጎኒ’ቲ ብ02 ሰነ፣ ኣብ ሲንጋፖር ዝተጋብአ ‘ዋዕላ ድሕነት’፣ ሚኒስተራት ምክልኻል ኣመሪካን ቻይናን ከካይድዎ ተወጢኑ ዝነበረ ክልትኣዊ ዘተ ክትግበር ከምዘይክኣለ ተሓቢሩ።

ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ፣ ሎይድን ኦስቲንን ሚኒስተር ምክልኻል ቻይና፣ ሊ ሻንግፉን፣ ኣብቲ ኣጋጣሚ ናይ ኢድ ሰላምታ ክለዋወጢ እኳ እንተኸኣሉ፣ ዝኾነ ዝርርብ ከምዘየካየዱ’ዩ ተመልኪቱ።

ቻይና ኣቐዲማ፣ ኣብቲ ኣብ ሲንጋፖር ዝካየድ ዋዕላ፣ ምስ ኣመሪካ ኣብ ወታህደራዊ ጉዳያት ብምትካር ከምዘይትዝቲ ‘ያ ኣነጺራ።

===================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0