ተቛሪጹ ዝጸንሐ ዘተ ሱዳን ኣብ ጂዳ ዳግም ጀሚሩ

Radio Erena: Tuesday 07 June 2023

ካብ 31 ግንቦት ኣትሒዙ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ዘተ ተጻጸርቲ ሓይልታት ሱዳን ኣብ ጂዳ፣ ብ06 ሰነ ዳግም ከምዝጀመረ ቴሌቪዥን ኣል ዓረብያ ሓቢራ።

ዕላማ እቲ ዳግም ጀሚሩ ዘሎ ዘተ ክልቲኦም ተጻጸርቲ ሓይልታት ሱዳን፣ ብቀንዱ ኣብ ምቑራጽ ቶዅሲ ዘተኮረ ምዃኑ እታ መደበር ቴሌቪዥን ኣቃሊሓ።

ካብ 06 ግንቦት ኣትሒዙ እባ ጂዳ ዝጀመረ ዘተ ተጻረርቲ ሓይልታት ሱዳን፣ ድሕነት ህዝቢ ንምሕላውን ህጹጽ
ረዲኤት ብዘይዕንቅፋት ንምብጽጻሕን፣ ዝዓለመ ሰለስተ ውዕላት ምቁራጽ ተኹሲ`ኳ እንተተገብረ፣
ብተደጋጋሚ ክጠሓስ’ዩ ጸኒሑ።

ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን፣ ካብቲ ንሰለስተ ቅነ ዝቐጸለ ዘተ፣ ኣብ 31 ግንቦት ብሃንደበት ከምዝሰሃበ’ዩ ኣፍሊጡ።

ኣፈኛ ሰራዊት ሱዳን ብርጋድየር፣ ነቢል ዓብደላ፣ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብጀነራል
ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ፈጣን ሓይልታት፡ ንዝተበጽሐ ውዕላት ምቑራጽ ቶኽሲ ብብተደጋጋሚ
ብምጥሓስ፡ ሆስፒታላት ዝርከቦ ሲቪላውያን ትካላት፣ ዒላማ ስለዝገበሩ፡ ካብቲ ዘተ ክስሕቡ
ከምዝተገደዱ ኣመልኪቱ።

ፈጣን ሓይልታት ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሰራዊት ሱዳን ካብቲ ኣብ ጅዳ ዝካየድ ዝነበረ
ዝርርባት ምስሓቡ፣ ነቶም ሓይልታት ንምውንጃል ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ንውዕል ምቁራጽ ተኹሲ
ጥሒሱ፣ ናይ ነፈርቲን ከቢድ ብረትን መጥቃዕታት ይቕጽል ከምዘሎ ወቒሱ።

ብኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን ዝተማእከለ ዘተ ክቕጽል ብዝልዓለ እትደፍኣሉ ዘላ ኣመሪካ፣ እባ ልዕሊ ክልቲኦም ሓይልታት እገዳ ኣንቢራ ኣላ።

ተቛሪጹ ዝጸንሐ ዘተ ሱዳን፣ ዳግም ከምዝጀመረ፣ ክሳብ ስቱድዮ ዝኣተናሉ ሰዓት፣ ካብ ክልቲኦም ወገን ዝተዋህበ መግለጺ የለን።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0