‘ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ብውሕዱ 183 ሰባት ተቐቲሎም።’ ሕቡራት ሃገራት

Radio Erena: Friday, 01 September 2023

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ፣ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ፋኖን ሰራዊት መንግስቲን ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ብውሕዱ 183 ሰባት ከምዝተቐትሉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራር ገሊጹ።

ኣፈኛ እቲ ኮሚሽን፣ ማርታ ሁርታዶ ብ30 ነሓሰ ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዘካየደቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፣ ምስቲ ኣብቲ ክልል ዝተወልዐ ግጭት ብዝተሓሓዝ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ከምዝተኣስሩ ኣተሓሳሲባ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ 4 ነሓሰ ኣትሒዙ፣ ኣብቲ ክልል ናይ ህጹጽ እዋን ድሕሪ ምእዋጁ፣ ገዛ ገዛ እናኣተወ ይፍትሽን ንዝጠርጠሮም ድማ ይኣስርን ምህላዉ’ያ እታ ኣፈኛ ጠቒሳ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብቲ ገና ዘይሃድአ ግጭት ሰራዊት መንግስቲን ዕጡቓት ፋኖን፣ ናይ ዝሞት ይኹን ብሓይልታት ናይ ጸጥታ ናይ ዝተኣስሩ ብዝሒ፣ ካብቲ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዘቕረቦ ጸብጻብ ብዝተዓጻጸፈ ከምዝዛይድ፣ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ርእይቶታቶም ዝህቡ ዘለዉ ወገናት እታ ሃገር የዘኻኽሩ።

ብሰንኪ’ቲ እቲ ግጭት’ውን ኣማኢት ኣሽሕእት ሰባት ካብ መነባብርኦም ተፈናቒሎም ከምዘለዉ’ዩ ዝግለጽ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0