መበል 62 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ይዝከር ኣሎ

Radio Erena: Friday, 01 September 2023

ባሕቲ መስከረም፣ መበል 62 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ መላእ ዓለም ብዝርከቡ ኤርትራውያን ትዝከር ኣላ።

ምጅማር ንሓርነታዊ ቃልሲ ዝፈለመት ባሕቲ መስከረም 1961፣ ህዝቢ ኤርትራ ንሰላሳ ዓመት ዘካየዶ ደማዊ ኲናት፣ ዘርኣዮ ተጻዋርነትን ዘይተጻዓድነትን፣ ከምኡ’ውን እምቢ ንመግዛእቲ ምባሉ ዝመስከረት ዕለት’ውን እያ።

ተኸታተልቲ ገዛእቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንዘርእይዎ ዝነበሩ ምጽናት ህዝባን፣ ህርፋን ጎበጣን፣ መልክዑን ሜላን ደኣ ቀዪሩ እምበር፣ ሕጂ’ውን ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ሓደጋ ኣይተገላገለን ዝብሉ ካልኦት ፖለቲከኛታት ብወገኖም፣ ናይ ወለዶታት ቃልሲ ንናጽነት ኣብቂዑ፣ ቃልሲ ንምትካል ደሞክራስያዊ መንግስቲ ብሓድሽ መንፈስ ክለዓል ይጽውዑ።

ፈላሚ ብረታዊ ቃልሲ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ፣ ኣብ ጎቦታት ኣዳል ድምጺ ቃልሲ ንሓርነት ድሕሪ ምቅልሑ፣ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ኤርትራ ዝመጹ መንእሰያት ናይቲ ዘበን ስለዝተጸምበርዎ፣ ናብ ሓደ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ ንሓርነቱ ተቓላሲ ሓይሊ ከምዝተቐየረ፣ መዛግብ ታሪኽ ኤርትራ ይሕብሩ።

ካብቲ እዋን ጀሚሩ ክሳብ’ዛ ዕለት’ዚኣ ካብ ኲናት ዘይተናገፈ ህዝቢ ኤርትራ፣ ምስ ጎረባብቱ ብስኒትን ሰላምን ዝነብረላ ደሞክራስያዊት ሃገርን መንግስትን ኣብ ምምስራት፣ ሓያል ቃልስን ሓድሽ ውዳቤን ከምዘድልዮ ይግለጽ።

ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ፣ ካብ ኲናትን ወረ ውግእን ስለዘይዓረፈን፣ እቲ ኣእላፋት ጀጋኑ ደቁ ወፍዩ ዝረኸቦ ናጽነት፣ ምሉእ ሓርነት፣ ሰላም ቅሳነትን ስለዘይሃቦን፣ ቃልሱ ብዝተፈላለየ መንገድታት ይቕጽል ኣሎ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ብስም ብርጌድ ንሓመዱ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ጥርናፈ ኤርትራውያን ደለውይቲ ለውጢ ‘ውን ሓደ ኣብነት ናይዚ’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0