መንገዲ ኣየር ግብጺ፣ ካብ ሎሚ ናብ ፖርት ሱዳን ቀጥታዊ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ክጅምር’ዩ

Radio Erena: Friday, 01 September 2023

መንገዲ ኣየር ግብጺ፣ ብሰንኪ’ቲ ኣብ 15 ሚያዝያ ዝተውልዐ ኵናት ወትሃደራውያን ሓይልታት ሱዳን፣ ናብታ ሃገር ኣቛሪጽዎ ዝጸንሐ ዝጸንሐ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ዳግም ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ እቲ ካብ ሎሚ ባሕቲ መስከረም ዝጅምር ቀጥታዊ ናይ መጓዓዝያ በረራታት፣ ካብን ናብን ከተማታት ካይሮን ፖርት ሱዳንን ምዃኑ ኣነጺሩ።

ምጅማር እቲ መንገዲ ኣየር፣ ምስ ስድራቤታቶም ተፈላልዮም ዝጸንሑን ይኹኑ ንዝተፈላለየ ጉዳያት ናብ ወጻኢ ሃገራት ክገሹ ዝደልዩን ሱዳናውያን ተዛማዲ ሩፍታ ዝፈጥር’ዩ።

ግብጺ፣ ሃገራዊ መንገዲ ኣየር ናብ ፖርት ሱዳን ቀጥታዊ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ክትጅምር ዝውሰነት፣ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪን፣ ኣዛዚ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳንን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን፣ ናብታ ሃገር ብምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ድሕሪ ዝገበሮ ዝርርብ’ዩ።

ኣብ ሱዳን ዝተልዐ ግጭት ወትሃደራውያን ሓይልታት፣ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ከበቢኣን ከምኡ ድማ ከባቢታት ዳርፉር ዝተሓጽረ’ዩ።

ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ቅድሚ ናብ ግብጺ ምጋሹ፣ ኣብዚ ልዕሊ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣቝጺሩ ዘሎ ኵናት፣ ንመጀመርያ እዋኑ ካብ ካርቱም ወጺኡ ናብ ፖርት ሱዳን ከምዝኣተወ ይዝከር።

እቲ ጀነራል፣ ንፖርት ሱዳን ከም ግዝያዊት ከተማ መንግስቲ ክገብራ እንተወሲኑ፣ ሱዳን ከም ናይ የመን፣ ኣብ ክልተ ከተማታት ብዝመደበሮም ክልተ ሓይልታት ከይትምራሕ ዘስግእ ምዃኑ ተንተንቲ የረድኡ።

የመን፣ ኣብ ከተማ ሰንዓ ብዝርመደበሮም ሓይልታት ሑቲን ናብ ወደባዊት ከተማ ዓደን ብዝገዓዘ መንግስቲን ፣ ኣብ ክልተ ተኸፋፊላ ትመሓደር ምህላዋ ይፍለጥ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0