ኢትዮጵያ፣ ብኩምራ ጎሓፍ ተደፊኖም ናይ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሪ ናብ 82 ዓሪጉ

Radio Erena: 15 March 2017

Addis Garbage

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ከባቢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ብቀዳም 11 መጋቢት ኣብ ዘጋጠመ ሓደጋ ምፍራስ ኩምራ ጉሓፍ ናይ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሪ ናብ 82 ከምዝዓረገ ኣልጀዚራ ሓቢራ።

ንሓያሎ ዓመታት ክኹመር ዝጸንሐ ጎሓፍ ብምፍራሱ፣ መነባብርኦም ኣብ ከባቢ እቲ ጎሓፍ ዝገበሩ ኣማኢት ሰባት ተደፊኖም፣ ቁጽሪ ምውታት ብልክዕ ንምፍላጡ ኣጸጊሙ’ዩ ጸኒሑ።

ኣብ ፈለማ ቁጽሪ ግዳያት ኩምራ ጎሓፍ 46 ምዃኑ እኳ እንተተጠቕሰ፣ በቲ ዝፈረሰ ኩምራ ጎሓፍ ዝተደፍኑ ቁጽሮም ዘይተፈልጡ ሰባት ብምህላዎም ቁጽሪ ምውታት ክውስኽ ከምዝኽእል ኣቐዲሙ ተገሊጹ’ዩ።

 በቲ ሓደጋ ከቢድን ቀሊልን ማህሰይቲ ዝወረዶም ልዕሊ 40 ሰባት ኣብ ሆስፒታል ተዓቝቦም ከምዘለው ኣፈኛ ምምሕዳር እታ ከተማ የረጋግጽ።

ኣብቲ ዓመታዊ 300 ሽሕ ቶን ጎሓፍ ኣዲስ ኣበባ ዝውሰኾ ኩምራ፣ ኣብ ከባቢኡ ብገምጋም ኣስታት 500 ዜጋታት እታ ሃገር፣ ብዚንጎን ኣጭርቕትን መጽለሊታት ብምስራሕ መዓልታዊ መነባብርኦም ከምዝመርሑ ይንገር።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብሞት እዞም ዜጋታቱ ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን ብምግላጽ፣ ሰለስተ ናይ ሓዘን መዓልታት ኣዊጁ ኣሎ።

እንተኾነ፣ እዚ ኣብ ልዕሊ ድኻታት ዜጋታት ኢትዮጵያ ዝወረደ ዘሕዝን ህልቂት፣ ንሓያሎ ኢትዮጵያውያን ኣቖጢዑ ብምህላዉ፣ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ መልክዕ ከትሕዝዎ ይርኣዩ ኣለዉ።

=====================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0