ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ሞሮኮ ይበጽሕ፣ ንጉስ ‘ታ ሃገር ኣብ ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት የካይድ

Radio Erena: 15 March 2017

Morocco

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብርኣብን፣ ክልተ ሰባት ጥራይ ዝሓቖፈ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ሰርብያ ድሕሪ ዘካየዶ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ናብ ሞሮኮ ኣምሪሑ።

እቲ ልኡኽ፣ ካብ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ንጉስ መሓመድ ሻድሻይ ዝተላእከ ደብዳቤ ንምብጻሕ ናብታ ሃገር ከምዝኣተወ’ዩ ተሓቢሩ።

ንጉስ መሓመድ ናይ ሞሮኮ፣ ካብ 1 ለካቲት ኣትሒዙ ክሳብ ትማሊ 14 መጋቢት ፣ ኣብ ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት ኣብ ምክያድ’ዩ ኔሩ።

እቲ ንጉስ፣ ዑደት ብደቡብ ሱዳን ፈሊሙ፣ ናብ ጋና፣ ዛምብያን ጊኒ ኮናክሪን ብምብጻሕ ብኣይቮሪኮስት’ዩ ዛዚሙ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፣ ነቲ ካብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝተላእከ ደብዳቤ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሞሮኮ ሳልሓዲን መዝዋር’ዩ ኣረኪቡ።

ሞሮኮ፣ ብሰንኪ ጉዳይ ምዕራብ ሰሃራ (ፖሊሳርዮ)፣ ኣብ 1984 ኣባልነታ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ስሒባ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ድሕሪ 33 ዓመታት ኣብዚ ዓመት’ዚ’ኣ’ያ ኣባልነታ ናብቲ ሕብረት አሐዲሳ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0