ኬንያ፣ ን100 መዓልታት ዝቐጸለ ኣድማ ሓካይም መዕለቢ ረኺቡ

Radio Erena: 15 March 2017

Kenya Doctors

ንልዕሊ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣድማ ካከይዱ ዝጸንሑ ሓካይም ኬንያ ምስ መንግስቲ እታ ሃገር ብዝኸተምዎ ስምምዕ ናብ ስርሖም ክምለሱ ከምዝወሰኑ መግለጺ መንግስቲ ካብ ናይሮቢ ኣፍሊጡ።

ኣሽሓት ሰብ ሞያ ሕክምና ኬንያ፣ ወሰኽ ደሞዝ፣ ምምሕያሽ ናይ ስራሕ ኩነታትን፣ ምቁጻር ሓደስቲ ሓካይምን ብምጥላብ’ዮም ንኣስታት 100 መዓልታት ዝቐጸለ ተቓውሞ ከካይዱ ጸኒሖም።

መንግስቲ እታ ሃገር ምስ ማሕበር ሰብ ሞያ ሕክምና ከካይዶ ብዝጸንሐ ምዝርራብ፣ ብሰሉስ 14 መጋቢት ኣብ ምርድዳእ ከምዝበጽሐ ማዕከናት ዜና ካብ ከተማ ናይሮቢ ይገልጻ።

ብመሰረት እዚ ሓድሽ ስምምዕ፣ ሓካይም ኬንያ ብዘይካ’ቲ ወርሓዊ ዝኽፈልዎ 560 ዶላር ስሩዕ ደሞዝ፣ 700 ዶላር ኣበል ክውሰኾም’ዩ።

ብሰንኪ’ዚ ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ክካየድ ዝጸንሐ ተቓውሞን ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማን፣ ኣብታ ሃገር ዝርከባ ልዕሊ 2500 ትካላት ጥዕና ብኣሉታ ከምዝተጸልዋን፣ ህጹጽ ሕክምና ዘድልዮም ዝተወጽዑ ሓያሎ ሰባት፣ ሰኣን ኣላዩን ስእነት ሓካይምን ከምዝሞቱን’ዩ ጸብጻባት ካብታ ሃገር የመልክቱ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0